Wednesday, January 28, 2015

ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ውድባት ርክብ ኣለኩም ብምባል ብስርዓት ብኣዴን-ኢህወደግ ከም ዝተኣሰሩ ተፈሊጡ።



ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ከም ዝሓበርዎ ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ሳንጃ ዝነብር ህዝቢ ብ7 ጥሪ 2007 ዓ/ም ሕቶ መሬት ዝመንቀሊኡ ንዘልዓሎ ኣድማ ስዒቡ ንኣምሓዳሪ እታ ወረዳ ኢድ ኣለካ ብምባል ምስ ካልኦት 3 ሰባት ኣብታ ዕለት ሰዓት 12  ናይ ምሸት ሰበ-ስልጣን ብኣዴን ኢህወዴግ ጨውዮም ከም ዝኣሰርዎን ምስ ግንቦት 7ን ካልኦት ውድባትን ክተራኸቡ ፀኒሕኹም ብምባል ከቢድ ምርመራ ይካየደሎም ምህላዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   ናይ’ቶም ዝተኣሰሩ ኣስማት ድማ፦ ዋና ኣምሓዳሪ ናይ’ታ ወረዳ ሰለሙን እንዳሻዉ፤ ይስፋዉ ኣለበልን ጌትነት ምዕራፍን እንትኾኑ እዚ ከም’ዚ ዓይነት ዝዉሰድ ዘሎ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ጉጅለ ኢህወደግ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ውድባት ኣብቲ ቦታ ዓብዪ ተቐባልነት ብምርካቦም ተሰናቢዶም ኣገልገልቱ ንዝነበሩ ሰባት እንተይተረፉ ኣብ ምእሳር ተፀሚዱ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።