ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ሽረ፤ ሸራሮን ኣስገደ ፅንብላን
ዝርከቡ ካድረታት እቲ ስርዓት ብ5 ጥሪ 2007 ዓ/ም ናይ መረፃ ካርዲ ንዘይሓዘ ሰብ ኣገልግሎት ሕክምናን ፍትሕን ከምኡ’ዉን
ከም ሽኮር፤ ዘይቲ፤ ወዘተ ዝኣምሰሉ ጠለባትን ብሓፈሻ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣይትረክብን ኢኻ እናበሉ ይኸልእዎ ከም ዘለው
ተፈሊጡ።
እቲ ብምስሉይ መረፃ ስርዓት ኢህወዴግ ተስፋ ዝሰኣነ ህዝቢ ዞባ ሰሜናዊ
ምዕራብ ዝበዝሕ ሰብ ካርዲ መረፃ ከም ዘይወሰደ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ
ናብ ሕክምናን ናብ ናይ ፍትሒ ትካላትን ኣብ ዝኸደሉ ግዜ መጀመርያ ዝሕተቶ ናይ መረፃ ካርዲ ሒዝካ’ዶ ዝብል ከም
ዝኾነን ዘይሓዘ እንተፀኒሑ ድማ ዝኾነ ኣገልግሎት ኣይትረክብን እናበሉ ከም ዘባርርዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ብተወሳኺ
እዚ እከይ ኣሰራርሓ እዚ ዕድመ ስልጣን ገዛኢ መንግስቲ ኢህወዴግ ንምንዋሕ ተባህሉ ህዝቢ ዘይኣመነሉ ናይ መረፃ ካርድ ንዓበይቲ
ብኣስገዳድ ንትሕቲ ዕድመ ከኣ ብሓደ ንሓሙሽተ ዝተጠናነገ ናይ ውሽጢ ቤተሰብ ስለያዊ መሓውር ብወለዶም ክሕዚ ይግበር ከምዘሎ
ብሰፊሑ ኣብ መላእ ሃገርና መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።