Wednesday, February 25, 2015

ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ብዝበርተዐ ኣንፃር ህወሓት-ማሌሊት ተቓዉሞ የስምዑ ምህላዎም ተፈሊጡ።



ምንጭታትና ከም ዝገለፅዎ፣ መበል ኣርባዓ ዓመት ልደት ህወሓት11 ለካቲት 2007 ዓ/ም ንምኽባርን ኣመራርሓ እቲ ውድብ መረፃ ንኽምረፅን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ኣብ ካልኦት ክልላት ንዝነበሩ ተጋሩ ብፍሉይ እናኣከበ ዉድብኩም ህወሓት ክትደግፉን ክትመርፁን ኣለኩም፤ ካልኦት ዉድባት እንተመሪፅኩም ከምቲ ናይ ቀደም ክረግፅኹምን ክገርፍኹምን እዮም እናበሉ ኣብ ዝሰብከሉ ዘለዉ እዋን ህዝቢ ግን ተዓዛዚብና ኢና ድሕሪ ደጊም ብትግራዋይ ትሽቅጥሉ እዋን የለን ብምባል ተስፋ ዘቑርፅ መልሲ ይህቦም ከም ዘሎ ተገሊፁ።   
እዞም ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ሃገርና ዝነብሩ ተጋሩ በቲ ብሰበ ስልጣን ህወሓት ዝካየድ ዘሎ ኣብ ስልጣን ክነብር ሓግዙና ዝዓይነቱ ተደጋጋሚ ጎስጓሳት ኣዚዩ ተሰላችዩ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ ኣብ ቃልሲ 17 ዓመት ተሳተፎ ዝነበሮ ተጋደላይ ኣብ ቅድሚኦም ጠጠዉ እናበለ ዘለኣለም ብእንግድዓ ትግራዋይ እናላገፅኩም ክትነበሩ ኣትሕሰቡ ደጊምስ ይኣክል ክንደይ ግዜ ክንታለል ብምባል ተስፋ የቑርፆም ከም ዘሎ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።