ካብ’ታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘረድኦ
ብ5 ለካቲት 2007 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ ቦታ ኣወርየ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ነበርቲ ዝኾኑ ወገናት ብሓደ ተኣኻኺቦም
ብዛዕባ መነባብርኦም ይዘራረቡ ኣብ ዝነበሩሉ ኣባላት ፖሊስ ስርዓት ኢህወዴግ ብሃንደበት ነቲ መንደር ከቢቦም ዝኾነ ሰብ ከይንቀሳቐስ
ብኣፈሙዝ እናፈራርሑ እንታይ ክትገብሩ ተኣኪብኩም እናበሉ ብኣልማሚት ከም ዝደብደብዎም ተገሊፁ።
ነቲ ግፍዓዊ ስጉምቲ ፖሊስ ዝተዓዘበ ህዝቢ እቲ ከባቢ ድማ ካብ መንበሪኡን
ስራሕ ቦትንኡን ብምዉፃእ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ግፍዒ መሪሩ ምስ ጎረቤትኩም ኣይትዘራረቡ ዝብሃለሉ ዘመን ድማ መፂኡና እናበለ
መረረቱ የስምዕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።