መራሕቲ ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንመላእ
ህዝቢ ኢትዮጵያ ካርድ መረፃ ሓዝ እናበሉ ወገሐ ፀበሐ ዕረፍቲ ከሊአሞ ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና
ዝበፅሓና ሓበሬታ ካልኦት ዉድባት ከይምረፁ ዝፍፀም ዘሎ ዓፈናን ረገፃን ዝተዓዘበ ህዝቢ ድማ ንመን ክንመርፅ ኢና ካርድ ንሕዝ እቲ
ካርድ ኣብ ኢድኩም ስለ ዝኾነ ከምቲ ኣመልኩም ከይተመረፅኩም ተመሪፅና ኢልኩም ዘይትምድሩ ይብሎም ከም ዘሎ ኣረዲኡ።
ብምሕደራ ኢህወዴግ መሪርዎ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ
ለዉጢ ስርዓት ይደሊ እኳ እንተኾነ ብመረፃ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ለውጢ ክመፅእ እዩ ዝብል እምነት ስለ ዘይብሉ ዳግም መሳርሒ
ድራምኦም ካብ ምዃን ንምድሓን ባዕልኹም መረፅቲ ባዕልኹም ተመረፅቲ ካርድ ንህዝቢ ምዕዳል እንታይ ኣድልዩኩም ሓዱሽ ነገር ካባኹም
ንፅበዮ የለን ይብሎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።