ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ ከማሽ ዝርከቡ ነበርቲ ቅድሚ ሕዚ ብተደጋጋሚ
ኣብ ክልልና ዝግበሩ ናይ ካልኦት ክልላት ጣልቃ ምእታው ጠጠው ይበል፤ ህዝብና ዝመረፆ‘ምበር ካልኦት ክልላት ዝመረፅዎ መራሒ ኣየመሓድረናን
ብምባል ናይ ተቓዉሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዝገበሩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ግን ሰማዒ ኣካል ብዘይምርካቦም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን
ነቲ ናይ ኢህወዴግ ባንዴራ ገዲፎም ካሊእ ሰማያዊ፤ ፃዕዳን ፀሊምን ሕብሪ ኣብ ማእኸሉ ድማ ናይ “V” ቅርፂ ዘለዎ ባንዴራ ስለ
ዘምበልበሉ ቅድም ክብል ናይ’ቲ ክልል ሰበስልጣን ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ብኣባላት ፖሊስ እቲ ስርዓት ይእሰሩ ከም ዘለው
ምንጭታትና ኣረዲኦም።
እዚ ከምዚ
ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ክልል ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍትን በቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ዕግርግር ምኽንያት ዕለታዊ ስራሕትና ክንሰርሕ ኣይከኣልናን
ከም’ዚ እንተቐፂሉ ንድሕንነትና ኣስጋኢ እዩ፤ኣብ ዝሓለፈ ዓመት‘ውን ንክሳራ ተዳሪግና ኢና ብምባል ካብ’ቲ ክልል እናለቐቑ ይኸዱ
ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።