Monday, February 23, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ደጋ-ዳሞት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ በቲ ናይ’ቲ ስርዓት ጭቆና ተማሪሮም ካብ ስርሖም ይለቁ ምህላዎም ካብ’ቲ ቦታ ዝበፅሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



    ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ወረዳ ደጋ-ዳሞት ካብ 2000 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክሳብ ሕዚ በቲ መንግስቲ ክረኽብዎ ዝግበኦም ናይ ትምህርቲ ዕድል፤ ናይ ደመወዝ ወሰኽን ካልኦት ጥቕማጥቕምታትን ብዘይ ምርካቦም ካብኡ ሓሊፉ ድማ ምስ መፃኢ መረፃ ተኣሳሲሩ ካብ ሕዚ ኣትሖዞም ብዓይኒ ጥርጣረ እናተርኣዩ ፅዕንቶታት ስለ ዝበዝሖም ባዕሎም ካብ ስርሖም ይለቁ ከም ዘለው ተፈሊጡ። 
   ምንጭታትና ወሲኾም ከም ዝገለፅዎ ብናይቲ ወረዳ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ሓላፊ ዝኾነ ዘይን እውነቱ ፅዕንቶታት በፂሑዎም ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥራሕ ልዕሊ 32 ናይ ሕርሻ ክኢላታት ካብ ስርሖም ዝለቐቑ እንትኾኑ።
  ካብኣቶም ንዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦ ኣይተ ኣንሙት ስንሻው፤ ኣይተ ነፃነት ኣዱኛ፤ ኣይተ ኣንዱኣለም ኣድነው፤ ኣይተ ምናለ መኮነን፤ ኣይተ መላክ ተደገ፤ ኣይተ ይግዛው ኣበበ፤ ኣይተ ዳኘ ታደሰ፤ ኣይተ ብርሃኑ ኣለህኝ፤ ወ/ሮ ጥሩ መኮነን፤ ኣይተ ይበልጣል፤ ወ/ሮ ብርሃን ሽፈራው ኣይተ በላይ መኮነን፤ ኣይተ ከፋለ ስንሻው፤ ኣይተ ልጃለም እሱባለው፤ ኣይተ ይከበር ደሴ፤ ኣይተ ግርማ ባሌ ፤ ኣይተ ገበያው ኣረጋ፤ ጥሩኣለም ምግባሩን ካልኦት ኣስማቶም ዘይተጠቐሱን ዝርከብዎም ብናይ መንግስቲ ፀቕጢ ምኽንያት ካብ ስርሖም ከም ዝለቐቑ ተሓቢሩ።