እቲ ዝበፅሐና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ወረዳ ጎዛመን ብኣዴን ኢህወዴግ
ኣብ ከተማ ደብረማርቆስ ቀበሌ 03 ዝርከብ ናይ’ቲ ወረዳ ኣደራሽ
ብ23ን ብ24ን ጥሪ 2007 ዓ/ም ብናይ’ቲ ወረዳ ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ብኣዴን መሓሪ ኣያል ዝተመረሐ መድረኽ ዝቕፅል መረፃ ብኸመይ ክንስዕር ኣለና፤ ኣብ
ወረዳና ብተደጋጋሚ ብተምሃሮ ዝግበሩ ናይ ተቓዉሞ ሰለማዊ ሰልፍታትን ምንቅሳቓሳትን ከመይ ክዕገቱ ኣለዎም ዝብሉን ካልኦትን ንዝቐረቦ
ኣጀንዳታት እቶም ተኣከብቲ ከም ዘይተቐበልዎ ተፈሊጡ።
እቶም ተኣከብቲ ናይ ተቓወምቲ ውድብ ኣባላት ኣብ ዝተፈለላየ እዋናት እናተኣሰሩ
ዝርከቡ ተምሃሮ ኣሕዋትና እዮም፣ ስለዚ ጭካነ ዝተመልኦ ስራሕ ካብ ምስራሕ ክንቁጠብ ኣለና ብምባሎም ዝተቖጥዐ መራሒ እቲ መድረኽ መሓሪ ኣያል ኣብ ልዕሊ እቶም ተኣከብቲ ምፍርራሕ ዝተመልኦ መጠንቀቕታ ከም
ዝሃቦም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።