ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከተማ ዓብይ ዓዲ
ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ብ25 ጥሪ 2007 ዓ.ም መሬት ከተማ ንህዝቢ ክዕደል መደብ ከም ዘለዎም ኣቐዲሞም ኣፍሊጦም ከም ዝነበሩ ዝገለፀ
እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ነባሪ ሕብረተሰብ እታ ከተማ ካርድ መረፃ ምዉሳድ ስለ ዝኣበየ መሬት ክዕደል እንተኾይኑ መጀመርያ ካርድ መረፃ
ክሕዝ ዝግብኦ ሰብ ክወስድ ኣለዎ ብምባል እቲ ምዕዳል ጠጠዉ ኣቢለሞ ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።
ብዘይካ’ዚ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ካደረታት ብ8
ለካቲት 2007 ዓ.ም ንነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ኣብ ጎኒ ህወሓት ከም ዘሎን ንህወሓት ከም ዝመርፅን ናይ ድጋፍ ሰላማዊ ሰላፊ ኣካይድ
እናበሉ ኣገዲዶም ድኳናት፤ ኣብያተ ቁርስን ምግብን ካልኦት ናይ ስራሕ ትካላትን ዓፅዮም ናብ ጎደና ዋላ እኳ እንተዉፅእዎ እቲ ህዝቢ
ግን ሰሪሕና ከይንበልዕ በዚ ዉድብ ምንግልታዕ በዚሑና እናበለ መረረቱ የስምዕ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።