Monday, February 23, 2015

ኣብ ሃገር ምሉእ ዝርከቡ ኣብያተ ፅሕፈት ውድብ ሓድነት ብሽርሕታት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ይዕፀዉ ምህላዎም ምንጭታትና ገሊፆም።




ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ቦርድ መረፃ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ቃልሲ ዘካየዱ ዉድባት መኢኣድን ሓድነትን ዝወሰዶ እገዳ ስዒቡ በብክልሉ፤ ዞባታትን ወረዳታትን ብዉድብ ሓድነት ተኸፊቶም ዝነበሩ ኣብያተ ፅሕፈትን ኣብኡ ንዝተመደቡ ተወከልቲ ኣመራርሓን  ናይቲ ገዛኢ ስርዓት  ዕላማ ንምትግባር ብዘኽእል ምስሊ ምስ ዝቐረፆም ኣባላት መኢኣድ ኣይንሰርሕን ኢሎም ስለ ዝዓፀዉ ኣካላት ፀጥታ ብዓይኒ ፅልዒ ይከታተልዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ሓድነት ዝነበሩ ካብ 22 ጥሪ 2007 ዓ.ም ጀሚሮም ካብ ስራሕ ተዓጊቶም ብፖሊስ ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
   ብተመሳሳሊ ኣብ ምብራቕ ጎጃም ተፀዋዒ ዉድብ መኢኣድ  ዝነበሩ ኣይተ ተስፋይ ታሪኩ፤ ሓለቓ ሚኢቲ ጌታቸዉ መኮነን፤ ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ተፀዋዒ ዝነበረ ኣይተ ዘመነ ምህረት ኣብ እሱር ተዳጒኖም ዘስካሕክሕ ስቓይ ይበፅሖም ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።