ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ካብ
ዝርከባ 15 ወረዳታት ማእኸል መምህራን ቋንቋ ዝተወከሉ ኣብ ከተማ ፍኖተ-ሰላም ኣዳራሽ ዳሞት ካብ 23 ጥሪ 2007 ዓ.ም ጀሚሮም
ንተኸታታሊ 7 መዓልቲ ብዛዕባ እቲ ዝወፀ መፅሓፍ ኣኼባ ምክያዶም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ይኹን’ምበር እቶም ተኣከብቲ ብዛዕባ እቲ
መፅሓፍ ገዲፎም ደመወዝና ካብ ካልኦት ሰራሕትኛታት ዝወሓደ እዩ፤ ነተን ዘይብለን መሃያና ድማ ንዝተፈላለዩ ፋዉንደሽንን ኣባልነትን
እናተብሃለ ብዘይ ፍቓድና እናተቖረፀ ኣብ መነባብሮና ፀገማት ይደራረበና ኣሎ መፍትሒ ዘይግበረሉ ክብሉ ኣምሪሮም ምዝራቦም ተፈሊጡ።
ብፍላይ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ካብ ሽንዲ፤
ብርሸለቆን ቡሬን ዝመፁ መምህራን ቅድሚ ሕዚ ኣኼባ ተፀዊዕና ኣብ ዝነበርናሉ ብሽምና ዝወፀ ኣበል ንልምዓት ብዝብል ተወሲዱ ሕዚ’ዉን
እዚ ነገር ከይድገም ኣብቲ መድረኽ ምስ ኣልዓልዎ ናብ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እቲ ዞባ‘ዉን ሕትኦም ኣብ ዘቕረብሉ ዝቕበሎም ኣካል
ከም ዘይረኸቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።