Wednesday, February 25, 2015

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ቢያራ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ጠያይቲ ብመካይን እናፀዓኑ ይሸጡ ምህላዎም ተገሊፁ።



እዞም ኣብ ከባቢ ባድመ ፍሉይ ቦታ ቢያራ ዝርከቡ ናይ ማእኸላይ እዚ ናይ መበል 22 ክፍለ ሰራዊት ኣባላት ዝኾኑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢህወዴግ ኣብ’ቲ ስርዓት ዘለዎም እምነት እናንቆልቆለ ይኸይድ ሰለ ዘሎ ካብ መኻዚኖ ዕጥቅታትን ጠያይትን እናውፅኡ ብመካይን  እናፅዓኑ ይሸጡ ከም ዘለዉ ካብ ውሽጢ’ቲ እቲ እዚ ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ካብቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዕዝይና ዝተዋፈሩ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሓደ ሻምበል ኣደም ከማል እንትኾን ንሱ ብ5 ለካቲት 2007 ዓ/ም ብቁፅሪ ታርጋ 02612 ፓትሮል ዝዓይነታ መኪና 13 ሽሕ ጠያይትን ካልእ ዕጥቅታትን ፅዒኑ ክሸይጥ እናተጓዓዘ ኣብ መንጎ ዓዲ ሃገራይን ዓዲ ኣውዓላን ምስ በፅሐ ብኣባላት ፖሊስን ምክልኻል ሰራዊትን ከም ዝተትሓዘ  ተፈሊጡ።
   እዚ ከምዚ ዓይነት ግዕዙይ ተግባር ኣዘዝቲ ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቶም ብምምሽጣር ብተደጋጋሚ ዝፍፀም ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ እዚ ብሻምበል ኣደም ተፈፂሙ ዘሎ እዉን ኢድ ላዕለዎት ኣዘዝቱ ከም ዘለዎ ኣባላት እቲ ክፍለ ሰራዊት መዘራረቢ ዛዕብኦም ኮይኑ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።