Thursday, March 19, 2015

ኣብ ማእከላይ እዚ ኣባላት 3ይ ክፍለ ሰራዊት ዝኾኑ ወተሃደራት ወያነ-ኢህወዴግ። ብሓለፍቶም ብዝወርዶምም ዘሎ ግፍዕታት እናተማረሩ ዓርሰ ቕትለት ይፍፅሙ ምህላዎም ተፈሊጡ፣



     እዞም ናይ ማእከላይ እዝ ናይ 3ይ ክፍለ ሰራዊት 8 ሬጅመንት ኣባላት ዝኾኑ ምክልኻል ሰራዊት ኢህወዴግ። ብላዕለዎት ሓለፍቶም በደላት ይወርዶም  ብምህላው።  ናይ ዓረሰ  ቅትለት ፈተነ የካይዱ ከም ዘለው ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ካብቶም ናይ ዓርሰ ቕተለት ፈተነ ዝገበሩ ሓለቓ ዓሰርተ ተመሳ ዴኩ እንትኾን ንሱ ብ23 የካቲት 2007 ዓ/ም ጥርናፈ  ሲሕትካ ተባሂሉ  ብናይ ሓሶት ጠቐነ  ን8 ሰዓት ዝኣክል ብትእዛዝ ምኽትል ኣዛዚ እቲ ሬጅመንት ሻለቃ ኣደራጅው ክእሰር ከም ዝተገበረ ካብቲ ምክልኻል ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣ 
   በቲ  ፍትሒ  ዝጎደለ መቕፃዕቲ ዝተናደደ  ሓለቓ ዓሰረተ ተመሳ ዴኩ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ብናይ ባዕሉ ክላሽን ተኵሱ እግሩ ብምውቅዑ ብኸቢድ ቆሲሉ ኣብ ዓዲ ቦኽራይ ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሕክምና ተወሲዱ ኣብ ሕክምና ከምዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣