Thursday, March 19, 2015

ኣብ መንጎ ላዕለዎት ጀነራላት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዘይምትእምማንን ምጥምማትን ብሰፊሑ ነጊሱ ከም ዘሎ ካብ ምክልኻል ሊሒኹ ዝበፃሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ጀነራላት ምክልኻል ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዘይምትእምማምንን ምጥርጣራትን  ዝወለዶ ሕድ ሕዶም ኣብ  ምክሕሓድን ምፅራፍን ከም ዝኣተዉ ድሕሪ ምግላፅ። እቲ ምኽንያት ድማ ሓላፊ ምክልኻል ሰራዊት ጀነራል ሳሞራ የኑስ ንሜጀር ጀነራል መሓሪ ዘወደ ብዛዕባ ካብ ሻለቃ ንላዕሊ ዘለዉ ኣዘዝቲ ዘለዎም ቁጠባዊ ፀገም ንምፍታሕ ማመልከቻ ንኸእትዉ ዘወረደሉ ትእዛዝ ኣይበልኩኻን ብምባል ሰለ ዝኸሓዶ።  ተናዲዱ ነቲ ኣኼባ ረጊፁ ከም ዝወፀ ተፈሊጡ፣
    እቲ ብጀነራል ሳሞራ የኑስ ኣይ ኣዘዝኩን ብዝብል ዝተኻሓደ ናይቲ ምክልኻል ምምሕዳር ዝኾነ ሜጀር ጀነራል መሓሪ ዘወደ ብወገኑ።  ብምምሕዳር መምሪያ ይፈፀም ኢልካኒ ናብ ኩለን መምሪያታትን እዝታትን ፅሒፈ ምስ በለ መብዛሕተኦም ጀነራላት ስለ ዝደገፍዎ። በዚ ዝተናደደ ጀነራል ሳሞራ ድማ  ናብ ምፅራፍን ምፍርራሕን ከም ዝኣተወ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣ 
  ብተመሳሳስሊ ነቶም ካብ ሻለቃ ንላዕሊ ዘለዉ ሓለፍቲ ወተሃደራት  ንዝገበረሎም ናይ ቁጠባ ድጎማ ዝሰምዑ ታሕተዎት ሓለፍቲ ብወገኖም።  ዕጥቆም እናራገፉ እግሮም ናብ ዝመርሖም ይጠፍኡ ምህላዎምን። ገለ ድማ ኣብ ናዝሬት፤ ነቀምቲ፤ ኣምቦን ኣብ ካልኦትን ካብ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ብዝወከልዎምን ብናይ  ባዕሎም ወፃኢ ናብ ጀነራል ሳሞራ ብምኻድ። እቲ ፍታሕ  ስለምንታይ ንኹሉ ሰራዊት ዘይግበረሉ? ኩሉ ማዕረ  ከርተት እናበለ ስለምንታይ ኣድልዎ ይፍፀም?  ብምባል ከም ዝጠርዑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።  በዚ ናይቲ ሰራዊት ተቓውሞ ዝሰግአ  ጀነራል ሳሞራ  ድማ ነዚ መምርሒ ኣነ ኣየውረድኩን ብምባል  ዋላኳ እንትኸሓዶም እቶም ኣባላት ሰራዊት ግን ክሰምዕዎ ከም ዘይከኣሉ ተፈሊጡ፣