Thursday, March 19, 2015

ኣብ ክልል ሰለሰተ ፍሉይ ሽሙ በለሳ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ንፁሃት ዜጋታትና ቀታሊኦም ከተፈለጠ ኣብ ጎደና ይድርበ ከምዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



   ኣብ ጎንደር ፍሉይ ሽሙ በለሳ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ንፁሃት ዜጋታትና መንነቶም ብዘይተፈልጡ ይቕተሉ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ካብቶም ዝተቐትሉ ናይ ሰሜን ወሎ ተወላዲ ዝኾነ ኣይተ ድምሰው ወልደማርያም  ዝተብሃለ ብ27 የካቲት 2007 ዓ/ም ምሸት ሰዓት 4።00 ተቐቲሉ ሬስኡ ድማ ኣብ ጎደና ተደርብዩ ከም ዝተረኽበ ተፈሊጡ፣
     እቲ ሬሳ ኣብ ጎደና ተደርብዩ ብወ/ሮ የክቴ መንገሻ ዝተበሃላ ነበሪቲ እት ከባቢ ዝተረኸበ እንትኾን። ንሰን ኣውያት ኣብ ዘስማዕሉ እዋን ነበርቲ እቲ ከባቢ ድማ  ነቲ ሬሳ  ኣልዒሎም ናብ ሕጊ ዋላኳ እንተወስድዎ ብወገን ፖሊስ ዋላ ሓንቲ ምፅራይ እንከይገበሩ  ከም ዝቐበርዎን። ነዚ ዝተዓዘበ ነባሪ ህዝቢ ድማ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ዜጋታት ተገዳስነት የብሉን ግቡእ ምርመራ ከይተገበረሉ ክቕበር ኣይነበሮን ብምባል ፅልኣቶም ከም ዝገለፁ እቲ ዝተረኸበ  ሓበሬታ  ኣመልኪቱ፣