Thursday, March 19, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ዝርከቡ ኣባላት ተቓዋሚ ውድብ ቅንጅት ብፖሊስ እናተሃድኑ ይእሰሩ ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ። ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ጃማ ዝርከቡ ኣባላት ተቓዋሚ ውድብ ቅንጅት ብዘይውዓልዎ ገበን “ናይ ሃይማኖት ስብከት ኣካይድኩም ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ እናተሃድኑ ይእሰሩ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ። ካብቶም ዝተኣስሩ ኣባላት ቅንጅት  ኣይተ ኣየለ በቀለን ኣየተ ሰይድ ዓሊን ካልኦትን ዝርከብዎም ከም ዝኾኑ  ተፈሊጡ፣
  ነቲ ንተቓወምቲ ናይ ምእሳር  ስጉምቲ ንኽወሰድ  ትእዛዝ ዘውረደ ናይቲ ወረዳ ዋና ኣማሓዳሪ ኣይተ መሓመድ ይመር ዝተበሃለ  ንነበርቲ እቲ ወረዳ ብ26 የካቲት 2007 ዓ/ም ኣኪቡ ብዛዕባ ኣብ መፃኢ ግንቦት ንዝካየድ ምስሉይ መረፃ ኣመልኪቱ ጎስጓስ  ድሕሪ ምክያድ መርትዖ ዘይብሉ ምኽንያት ብምቕራብ ነቶም ኣባላት ቅንጅት በቲ ናይቲ ወረዳ ኣባል ፖሊስ ሳጅን ሓሰን ብዝተብሃለ ተታሒዞም። ናብ ወረኢሉ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም  ንኽዳጎኑ  ከም ዝገበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣