ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ወልቂጤ ኣከባቢ ሁራ-ኣክሊል-ሃዋሪያ
ኣብ ዝተብሃለ ወረዳ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከቢድ ምፍርራሕ ይበፅሖም ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ናይቲ ወረዳ ዋና ኣመሓዳሪ
ኣለም ይርጋ ምስ ናይቲ ወረዳ ሓላፊ ዉዳበ ብሓባር ብምዃን ኣብ ምፍርራሕ ተግባር ተፀሚዶም ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ምፍርራሕ ይበፅሖም ካብ ዘለው ተወለድቲ ካሊእ ክልል ዝኾኑ ናይቲ ወረዳ
ሰራሕተኛታት ድማ፦ ይሁን ዝተብሃለ ኣብ’ቲ ወረዳ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ናይ እትዋት በዓል ሞያን ከምኡ’ዉን ንግዚኡ ኣስማቶም ክጥቀሱ
ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ትምህርትን። ካብ 11 መጋቢት 2007 ዓ/ም ጀሚሮም ካርዲ መረፃ ብዘይምውሳዶም ከም ዝባረሩን ኣብቲ ክልል ክሰርሑ ከም ዘይኽእሉን።
ኣለም ሰገድ ብዝተብሃለ ናይ’ቲ ስርዓት ተለኣኣኺ ከም ዝተዘረቦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣