Thursday, April 2, 2015

ካድረታት ብኣዴን/ኢህወዴግ ተማሃሮ ዩኒቨርሲትን ካልኣይ ብርክን ኣብ ቀፃልነት ስልጣኖም ሓደጋ ኮይኖም ስለ ዝተረኣይዎም። ካብ ክልተ ንላዕሊ ብሓደ ከይንቀሳቐሱ ከም ዝኣገድዎም ተገሊፁ፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ዝርከቡ ካድረታትን ኣመሓደርትን እዚ ኣብ ልዕሊ ስርዓትና እናተፈጠረ ዘሎ ፀገማት ቀንዲ መለዓዓልቲ ተማሃሮ እዮም ዝብል ስግኣት ስለ ዘለዎም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ይኹን ኣብ 2 ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለው ተማሃሮ ብጉጅለ ኮይኖም ከይንቀሳቐሱን ከም ዝተኸልከሉ ተፈሊጡ፣
ካድረታት ብኣዴን/ኢህወዴግ ነቲ በብእዋኑ ዝለዓል ዘሎ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ንምህዳእ።  ሰባውን ዴሞክራሲያውን መሰል ምግሃሶም ከይኣኽሎም ነቶም ተምሃሮ ካብ ትምህርቶም ኣቋሪፆም ኣብ ኣኼባ ፀሚዶምዎም ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣