ኣብ እዚ ምብራቕ ዝርከቡ ክልተ ክፍለ ሰራዊት ኣብ ክልል ሶማል-ኢትዮጵን
ጦላይን ከባብያዊ ሓለዋ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ብምእካብ
እቲ ስርዓት ብዘዉረዶ መምርሒ ብዘይ ድሌቶም ናብ ሃገረ ሶማሊያ ክኸዱ ምግባሩ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
መራሕቲ ኢህወዴግ ለይትን መዓልትን ኣብ ሃገርና
ዉሽጢ ሰላም ሰፊኑ እናበሉ ብዝተፈላለዩ ሚድያ ምፍናዎም እንተተነገረ’ኳ በብኣንፈቱ ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ዘካይዱ ዘለዉ ዉድባት ዝበፅሖ
ዘሎ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ብሽም ዓቃቢ ሰላም በብቦትኡ እናኸደ ህይወቱ ዝስእን ዘሎ ዉፅዕ ወተሃደር ብጣዕሚ ብዙሕ ምዃኑ ዝበፅሓና
ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።