Saturday, July 18, 2015

አብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ቤት ማእሰርትን አተሓሕዛ እሱርን!!



    አብ ዝሕዚ እዋን አብ ናይ ሃገርና ፖለቲካዊ ተሳትፎ ሓደስቲ ተቓወምቲ ፓርትታት ዝተሳተፍሉ ምንቅስቓስ ምክያዱ ይፍለጥ፣ ምንልባት’ውን ካብ ዝሓለፉ ናይ መረፃን ተቓውሞን ምንቅስቓሳት ብዝነአሰ መልክዑ’ውን እንተኾነ ፍሉይ ይገብሮ፣ በዚ ምኽንያት አብ ስግአት ዝወደቐ ስርዓት ኢህወደግ ብፍሉያት ናይ ፀጥታ መሓውራቱ ተጠቒሙ ሰላም ቤት ፅሕፈት ተቓወምቲ ውድባት ምህዋኽ፤ አብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈቶም ንዝሰርሑ አባላቶም ብምእሳሮምን ንብረቶም ብምውራሮምን ምኽንያት ንመንግስቲ ተቓዊሞም ክፍፅምዎ ዝሓሰብዎ ሰላማዊ ሰልፍታት ንኸየካይዱ መሰናኽል ተገይሩዎም’ዩ።
    ገለ ገለ አብ ህዝቢ ዓብይ ተቐባልነት ዝነበሮም ተቓወምቲ ፓርትታት ዝወጠንዎ ሰላማዊ ሰልፊ ንኸካይዱ ንመንግስቲ ፍቓድ ወላካ እንተሓተቱ እቲ ዝቐረበ ሕቶ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበን አብ ልዕሊ አባላትን ደገፍትን ተቓወምቲ ይበፅሕ ዝነበረ ምፍርራሕ፤ ፅዕንቶን ንመንግስቲ ስግአት ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ንዝተባሃሉ ውልቀሰባት ናብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ምድጓን ኩነታት ኣዝዩ ዓብይ ምንባሩ፣ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብቐረባ ይከታተሎ ምንባሩ ይፍለጥ’ዩ።
   አብ ሃገርና ዘሎ ቅጥዒ ዝሰአነ ኩነታት ማእሰርትን አብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ኢሰብኣዊ አተሓሕዛን ብዝከፍአ መንገዲ እናቐፀለ ይርከብ፣ ተማሃሮ፤ አባላት ተቓወምቲ ውድባት፤ ጋዜጠኛታት፤ ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፍታትን ካልኦትን ናይ ምእካብ፤ ሓሳብካ ብናፃ ናይ ምግላፅን ምውዳብን መሰሎም ክገልፁ ዝደልዩ አካላት በብግዚኡ እናተአሰሩን መሰሎም እናተረገፀን ፀኒሑን ኣሎን።
    መብዛሕትኡ ግዜ አብ ልዕሊ ብምኽንያት ፖለቲካ ዝተሓዙ ዜጋታት ብፍላይ ተኸሰስቲ ቅድሚ ናብ ፍርዲ ምቕራቦም አብ ዝእሰርሉ እዋን አብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና አብ ዝርከቡ ቤት ማእሰርቲ ብፍላይ ድማ ቃሊቲ ተባሂሉ አብ ዝፅዋዕ አብ ውሽጢ አዲስ አበባ ዝርከብ ናይ ፌደራል ፖሊስ ወንጀል ምርመራ ካልኦት ዘይፍለጡ ኣብያተ መእሰርትን እዝዩ ኣስካኽኻሒ ዝኾነ ግፍዒ ከም ዝፍፀም ይፍለጥ።
    ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተፈላለዩ ሰባት አብ ልዕሊኦም ክሲ ቅድሚ ምምስራቱ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሕጊ አማኻርቲ ከይረኽቡ ከም ዝግበርን ኢሰብኣዊ በደል ዝተፈፀሞም እሱራት አብቲ ሙስሉይ ቤት ፍርዲ እንትቐርቡ ካብቶም አብያተ ቤት ማእሰርቲ ዝኾነ ዓይነት መፍትሒ ከም ዘይረኹቡን እቶም ዝፍለጡን ዘይፍለጡን ቤት-ማእሰርትታት ናይቲ ስርዓት መጋበርያ ካብ ዝኾኑ ሰብ ሞያ ተዓዘብቲ ወፃኢ ዝረአይሉ ኩነታት የለን።
   እቲ ስርዓት ከም መሸቀጢ ዝጥቀመሉን ናሃቱ ትካል ዝኾነ ተጣባቒ ሰብአዊ መሰል ኮሚሽን ኢትዮጵያ ዝባሃል ንዝተወሰኑ እሱራትን ቤት ማእሰርትን አብ ምንታይ ኩነታት ከም ዝርከቡ ይከታተል’የ ዝብል እኳ እንተኾነ እቲ ሓቂ ግን እቲ ስርዓት ዲሞክራስያዊ  ከም ዝኾነ ንምድንጋር እምበር ስሩዕ ዝኾነ ክትትልን ናይ ምርመራ ስራሓትን ኣካይዱ አይፍለጥን።
      ናብ ሃገርና ዝመፁ ልኡዃት ጉጅለ ፓርላማ አውሮፓ  ኩነታት ቤት ማኣሰርቲ ሃገርና ንኽዕዘቡ ፍቃድ ተዋሂብዎም አብ ዝመፅሉ እዋን ካልእስ ይትረፍ ነቲ ዝፍለጥ አብ ውሽጢ አዲስ አበባ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ እኳ ንኸይዕዘብዎ ብሰበስልጣናት ምኽልካሎም ናይዚ ሓደ መርአያ እዩ።
    ንምጥቕላል አብ ሃገርና ዘሎ ጉዳይ ሰብአዊ መሰልን አተሓሕዛ እሱራትን ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ከም ዝብሎ ማለት ናይ ፖለቲካ እሱራትን ካልኦት ናይ ሕጊ ተአሰርትን ሕገ መንግስቲ ከምዘቐምጦን ሕጊ ብዝፈቕዶን ኩነታት ዝፍፀም ዘይኮነስ እቲ ስርዓት ምስ ፖለቲካዊ ወገናውነት ብምትሕሓዝ ብዘይ ዝኾነ ምፅራይ ናይ ሓሶት ውንጀላታት ብምልጣፍ አብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታትና ሰፍ ዘይብል ግፍዕን በደልን እናፈፀመ ይርከብ።