Wednesday, August 12, 2015

ኣብ ማእኸላይ እዚ ዉሽጢ ካብ ኣዛዚ ሬጅመንት ክሳብ ኣመራሓ እዚ ዘካተተ ኣኼባ ብ27 ሓምለ 2007 ዓ.ም ምክያዱ ካብ'ቲ እዚ ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብ ኣዛዚ ሬጅመንት ክሳብ ኣመራርሓ እዚ ዝተሳተፍዎ ኣብ ማእኸላይ እዚ ገምጋማዊ ኣኼባ ብዘይ ዉፅኢት ኣብ ዝተዛዘመሉ ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ካብ ዝወፁ ናይ 8 ሬጅመንት ሓገዝ ወሃቢ ሜካናይዝድ ምክትል ኣዛዚ ሓለቓ ሽሕ ኣደራጀዉ ሓጎስ ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ ኣብቲ መድረኽ ዝቐረበ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝበፀሐ ዝኾነ ይኹን በደል የለን ዝብል ብምቅዋምን ምስ'ቲ መራሒ መድረኽ ብዝፀንሖ ዘይምርድዳእን ምኽንያት ነቲ ኣኼባ ረጊፁ ምዉፅኡ ተፈሊጡ።
    ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ መዘራረቢ ኣጅንዳ ሃገርና ኣብ ንሃንፀሉ ሽግራትና ነስተኻኽል ዝብል እኳ እንተነብረ መብዛሕትኡ ናይ'ቲ ኣኼባ ተኻፋሊ ግን ከም ዘተቐበሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።