ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብ ኣዛዚ ሬጅመንት
ክሳብ ኣመራርሓ እዚ ዝተሳተፍዎ ኣብ ማእኸላይ እዚ ገምጋማዊ ኣኼባ ብዘይ ዉፅኢት ኣብ ዝተዛዘመሉ ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ካብ ዝወፁ
ናይ 8ይ ሬጅመንት ሓገዝ ወሃቢ ሜካናይዝድ ምክትል ኣዛዚ ሓለቓ ሽሕ ኣደራጀዉ ሓጎስ ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ
ኣብቲ መድረኽ ዝቐረበ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝበፀሐ ዝኾነ ይኹን በደል የለን ዝብል ብምቅዋምን ምስ'ቲ መራሒ መድረኽ ብዝፀንሖ
ዘይምርድዳእን ምኽንያት ነቲ ኣኼባ ረጊፁ ምዉፅኡ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ መዘራረቢ ኣጅንዳ ሃገርና ኣብ ንሃንፀሉ ሽግራትና
ነስተኻኽል ዝብል እኳ እንተነብረ መብዛሕትኡ ናይ'ቲ ኣኼባ ተኻፋሊ ግን ከም ዘተቐበሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።