ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዞባ ቤንች ማጂ፤ ወረዳ ሰሜን ቤንች፤ ጣቢያ
ጎሊ ዝነበሩ ሓረስቶት ንብዙሕ ዓመታት ቀዋሚ ተኽሊ ቡንን ካልኦት ዉፅኢት ሕርሻ ብምፍራይን ክጥቀምሉ ዝፀንሑ ሕጋዊ መሬቶም ኣመሓደርቲ
እቲ ዞባ እቲ መሬት ንዲያስፖራን ኢንቨስተራትን ክዋሃብ ስለ ዝተደለየ ብዝብል ሕጋውነት ዘይብሉ ስጉምቲ ካብ መረበቶምን ሕርሻ መሬቶምን
ኣገዲዶም የፈናቅልዎም ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ መሬትና ገዲፍና ሎሚ ይኹን ፅባሕ ኣይንኸድን ንዝበሉ ሓረስቶት ድማ ዕጡቛት
ኣዋፊሮም ብምእሳር ነቲ ቀዋሚ ተኽሊ ዘለዎ መሬት ብዶዘራት ኣብሪሶም ኣብ ምኽላል ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
እቲ ብዘይ
ሕጋዊ መንገዲ መሬት ሓረስቶት ናይ ምምንጣል ስጉምቲ ካብ ወርሒ ሰነ 2007 ዓ/ም ኣትሒዙ ዝተጀምረ እኳ እንተኾነ ብፍላይ ሕዚ
ግን ነቶም ናብ ፅርጊያ ዝዋሰኑ ናይ ሕርሻ ቦታታት ናይቲ ዞባ ኣማሓደርቲ ምስ ፖላዊስ ብሓባር ኮይኖም ነቲ ናይ ምምንጣል መስርሕ ብፅዑቕ ይፍፅምዎ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ብርክት ዝበሉ
ግዳያት ንከቢድ ማሕበራዊ ሽግር ተቓሊዖም ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ገሊፆም።