Wednesday, August 12, 2015

ኣብ ምዕራብ እዚ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ስታፍ ወተሃደራዊ ሚስጥር ኣባኺኖም ብዝብል ን8 መዓልቲታት ኣብ ኣኼባ ተፀሚዶም ምቕናዮም ተፈሊጡ።



      ኣብ ከተማ ባህርዳር  ዝርከብ ናይ ምዕራብ እዚ "መኮድ" ኣብ ዝተብሃለ ወተሃደራዊ ካንቦ ዉሽጢ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ወተሃደራዊ ሚስጥር ኣባኺንኩም ብዝብል ምኽንያት ን8 መዓልቲታት ኣብ ኣኼባ ተፀሚዶም ምቕናዮም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ይኹን’ምበር ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝኾነ ዓይነት ኣፋፍኖት ስለ ዘይተረኽበ ኣመራርሓ ብናይ ባዕሎም ጥርጠራ ጥራሕ ን6 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ኣዉዒሎም ናበይ ከም ዝወሰድዎም ክሳብ ሕዚ ከም ዘይተፈልጠ ተገሊፁ።
    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቲ ብ17 ሓምለ 2007 ዓ.ም ሰዓት 7፣30 ለይቲ  ብነዊሕ ርሕቐት መራኸቢ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ከይተተግበረ እንከሎ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ቀዲሙ እቲ ሚስጢር ብምውፅኡ ኣብ መንጎ ኣመራርሓን ኣባላትን ዘሎ ኣፈላላይ ኣብ ዉሽጢና ምስ ፀላኢ ዝተኣሳሰረ ነገር ኣሎ ብዝብል እቲ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።