Wednesday, August 12, 2015

ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ናብ ምክልኻል ሓደስቲ ወተሃደራት ብኣስገዳድ ካብ ክልላት ዝተላእኹ ምልምላት ኣብ መሰልጠኛ ሁርሶ ከም ዝኣከቦም ተገሊፁ።



    ስርዓት ኢህወዴግ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዓቕሚ ኣዳም ዘይበፅሑ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ንተኸታታሊ ክልተ እዋን ዘመረቖም ምልምላት ብፍሉይ ኣብ ዝተፈለላዩ ናይ  ሞያ ስልጠና ክትኣትዉ ኢኹም እንትብሃሉ ናብ ክፍሊ ምክልኻል ዝኣተዋ ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራት ኣብ ኣጋር ተዋጋኢ ሰራዊት ብምምዳበን ኣብ ሽግር ከም ዝወደቓን እቲ ኩነታት ኣብ ዓመታዊ ገምጋም ኣብ ዝተለዓለሉ ብቁዕ መልሲ ከይተዋህቦ ኣብ ዝነብርኦ ስራሕ ንኽቕፅላ ትእዛዝ ከም ዝተመሓላለፈ ተፈሊጡ።
   ኣመራርሓ እቲ ስርዓት ዝፈጠርዎ ሽግር ብዕጥቃዊ ቃልሲ ዝካየድ ተቓዉሞ ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዘጨነቖም ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት  መንእሰያት ብምግፋፍ ናብ ወተሃደራዊ ማሰልጠኛ ኣእትዮም ፖለቲካ ትምህርቲ ዋላ እንተተዋህቦም ነቲ ጎስጓስ ከም ዘይተቐበልዎ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።