ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ንድኻታት ተምሃሮ
ንምሕጋዝ ብዝብል ትካል ባንክ ዓለም ኣብ ዘውፅኦ ፕሮግራም ንሓደ ፅጉም ተምሃራይ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገርና ኣትዩ
ብሞያ ኢንጅነሪንግን ኮንስትራክሽንን ትምህርቲ ንምክትታል ንኣርባዕተ ዓመታት 70 ሽሕ ብር ሒሳብ እናኸፈለ ንብዙሓት ተማሃሮ ንከምህሮም
ብዝሓዞ መደብ ብውክልና ንኢ.ራ. (ንብዓል ስልጣን መንግድታት ኢትዮጵያ) ስለ ዝሃቦ ንሱ ድማ እቶም ድኻታት ተማሃሮ ክማሃርሉ ምስ
ዝበሎም ዩኒቨርሲቲታት ገንዘብ እናኸፈለ ትምህርቶም ክሳብ ዝውድኡ ስምምዕ ምፍፃሙ ተገሊፁ።
ትካል ኢ.ራ ምስ ንዩኒቨርሲቲታት ጅማ፤ ባህርዳር ፤ ኣዳማ፤ ሃዋሳ፤ ኣዲስ
ኣበባን መቐለን ብውክልና ብምሃብ ድኻታት ተማሃሮ ኣፃሪዮም ንከእትዉ ውክልና ድሕሪ ምሃቡ ሽሞኛታት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ግና ብፍሉይ ንኣባላት ህወሓትን ንደቂ ኣባላት ህወሓትን ጥራሕ ክማሃሩ ዕድል
ብምሃቡ ካልኦት ተማሃሮ ድኻታት ምዃኖም ኣብ ከባቢኦም ኣመስኪሮም ሕጋዊ መእዘዚ ወረቀት ሒዞም ኣብ ዝቐረብሉ ቦታ መሊኡ ተባሂሎም
ክምለሱ ከም ዝተገብረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብዙሓት ድኻታት መናእሰይ ድማ ነቲ ጉጉይ ኣሰራርሓ
ብምቅዋም ናብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ብሓባር ብምኻድ ስለ ምንታይ ሕጋውነት ዘይብሉ ስራሕ ይፍፀም ኣሎ? ካብ ባንክ ዓለም ንድኻታት ተባሂሉ ዝመፀ ዕድላት ትምህርቲ ኣብ መዓልኡ ዘይውዕል
ኢሎም ኣብ ዝሓተትሉ ዝምልከቶም ኣካላት እቲ ቢሮ ኣይንፈልጠኩምን ክብሉ ከም ዝመለስሎም እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።