Sunday, August 2, 2015

ኣብ ከተማ ሑመራ ተወዲቦም ኣብ ምንፃፍ እምኒ ተዋፍሮም ክሰርሑ ዝፀንሑ መናእሰይ ምምሕዳር እታ ከተማ ብዉዕሉ መሰረት ክኸፍሎም ከም ዘይከኣለ ተፈሊጡ።



ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዝነብሩ መናእሰይ ብስሩዕ ተወዲቦም ኣብ መነሃርያን ከባብኡን ንዘሎ ፅርግያ ምንፃፍ እምኒ /ኮብልስቶን/ ብክልተ ሚልዮን ብር ክሰርሕዎ ምስ ምምሕዳር ብዝኣሰርዎ ዉዕል መሰረት ሰሪሖም ኣብ ዝወድእሉ እዋን  ዝተኣተወሎም ዉዕል ገንዘብ ክኽፈሎም ኣብ ዝሓተትሉ ክሳብ ሕዚ ምሉእ ግዜኦም ኣባኽኖም ዝደኸምሉ ገንዘቦም ክዋሃቦም ከም ዘይከኣለ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊፁ።
ነቲ ዝተሰርሐ ምንፃፍ እምኒ ሕጋዊ ዉዕል ዝኣሰረሎም ካብ ኣካላት ምምሕዳር እታ ከተማ ሓደ ጎይትኦም ኣለማዮህ ዝተብሃለ ከም ዝኾነ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ንሱ ገንዘብና ሃበና ምስ በልዎ ብድሕርኡ ንዕኦም ክርኢ ከሎ ኣብ ቢሮ እናሃለወ የለኹን እናበለ የንከላብቶም ብምህላዉ ፍታሕ ንምርካብ ላዕሊ ታሕቲ ዋላ'ኳ ይብሉ እንተሃለዉ ላዕለዎት ሰበስልጣን’ዉን እንተኾነ ጥርዓኖም ሰምዖም ከም ዘይሰምዑ ስቕ ምባሎም እቲ በዓል ስልጣን ምስኣቶም ኮይኑ በሊዕዎ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።