Sunday, August 2, 2015

ከተማ ሸራሮ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብዝመፁ ዕለታዊ ሰራሕተኛታት ኣዕለቕሊቓ ኣብ ዘላትሉ ኣካላት ፀጥታ ናይ'ታ ከተማ ናይ መንነት መለለዪ ካርድ ኣይሓዝኩምን ኣየሕደስኩምን እናበሉ ይኣስሩን የጋፍዑን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።




ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ምስ ምእታዉ ክራማት ተኣሳሲሩ ኣብቲ ከባቢ ሰፊሕ ሕርሻ መሬት ስለ ዘሎ ዕለታዊ ስራሕ ኣይሰኣንን ብምባል  በብከባብኦም ናይ ስራሕ ዕድል ክረኽቡ ዘይከኣሉ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ብፍላይ ድማ ተማሃሮ ብጉልበቶም ሰሪሖም ገለ ኣታዊ ንምርካብ ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ ፖላዊስ እታ ከተማ ኣብ መንገድታት እናፀንሑ መለለይ መንነት ካርድ ብምሕታት እንታይ ኮንካ ዘይሓዝካ፤ ንምንታይ ዘይሕደስካ ብዝብሉ ዒባራ ምኽንያት ተጠቒሞም እናሓፈሱ ይኣስርዎምን የባርርዎምን ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ዝጋፍዑ ዘለዉ ወገናት ኣብ ዉሽጢ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ዝደለናዮ ቦታ ተቀሳቕስና ክንሰርሕ እንተዘይክኢልና ድኣ ናበይ ክንከይድ ደሊኹምና ንዝበልዎም ድማ ብፍሉይ ከም ዝጥምትዎም ዝገልፀ እቲ ሓበሬታ እቲ ኣብ ኣካላት ፀጥታ ዝረአ ዘሎ ከምዚ ዓይነት ሸቐልቀል መቀሊኡ ድማ ተጋደልቲ ዴ.ም.ህ.ት ናብ'ታ ከተማ ይኣትዉ ይወፅኡ ኣለዉ ካብ ዝብል ስግኣት ዝብገስ ምዃኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።