Tuesday, August 11, 2015

ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዝርከቡ ሓረስቶት ብዘይ ድልየቶም መዳበሪያ ንኽዕድጉ በቲ ስርዓት እናተገደዱ ንዘይተደለየ ክሳራ ይቃልዑ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



    ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዞባ ቤንች ማጂ፤ ወረዳ ሰሜን ቤንች ዝርከቡ ሓረስቶት ካብ ድልየቶም ወፃኢ መዳበሪያ ንክገዝኡ ብካድረታት ገዛኢ ስርዓት ይግደዱ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ እቲ መዳበሪያ ምስ መሬት ናይ'ቲ ከባቢ ስለ ዘይስማዕማዕ ኣይንደልን ኣብ ዝብልሉ ብካድረታትን ኣመሓደርትን ብፀቕጢ መዳበሪያ ድሕሪ ምውሳዶም ነቲ ልዕሊ ዓቕሞም  ብዝኾነ ዋጋ ዝወሰድዎ መዳበርያ  ከይፈተዉ ንዓመታት ዘጥረይወን ጥሪት ሸይጦም ይኸፍሉ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
     እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ ኣብ'ታ ወረዳ ዝርከቡ ሓረስቶት መጀመርታ ካድረታት እቲ ስርዓት መዳበሪያ ውስዱ እናበሉ ከም ዘጨንቕዎምን ኣብ እዋኑ ንዘይከፈሉ ከኣ ኣብ'ቲ ክልል ካብ ዝርከብ ብ"ኦሞ ማይክሮ ፋይናንስ" ዝፍለጥ ትካል ናይ ገዛኢ ዉድብ ብልቓሕ ገንዘብ ከም ዝወሰዱ ኣምሲሎም ናብ ቤት ፍርዲ ብምኽሳስ ጥሪቶም ሸይጦም ክኸፍሉ የገድድዎምን ነዚ ንምግባር ፍቓደኛታት ንዘይኮኑ ከኣ መሬቶም ብኦሞ ማይክሮ ፋይናንስ ብትሕጃ ክተሓዝ ይገብሩ ስለ ዘለዉን እቶም ሓረስቶት ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት መረረቶም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።