Thursday, November 19, 2015

እቲ ዝባሃል ኣይትግበርን እቲ ዘይትግበር ምዝራብ ግን ልሙድ ዕማም መራሕቲ ኢህወዴግ እዩ!! 5ይ ክፋል



ቁጠባ ገዚፍ ፅላት ስለ ዝኾነ ንዕኡ ዝምልከት መግለፅታት ንብሕታዊ ረብሓ ውሑዳት ጉጅለታትን ንፖለቲካዊ በለፅን ምውዓል ዝንቡዕ ስርዓተ ሓበሬታ ናይ ቁጠባ ተጠቒምካ ናይ ካልኦት ኢኮኖምያዊ ጥቕሚ ንምቕታል ካብ ዝግበር ወፍሪ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን መራሕቲ ኢህወዴግ ነዚ ኣይርድኡን እኳ እንተዘይበልኩ ረብሓኦም ንምዕቃብ ደይመደይ ኢሎም ዝትግብርዎ ሕድገት ዘይብሉ ጭካነ። ብቑጠባ ክበራበሩ ንዝብገሱ ዜጋታት ንምዕንቃፍ ተባሂሉ ዝካየድ እኩይ ተግባር ስለ ዝኾነ እቲ ወፍሪ ብመፅናዕቲ ዝተደገፈን ስንብራቱ ዝረአን ንክኸው ኣኽኢልዎ እዩ።

ስርዓተ ዕዳጋ፤ መራኸቢ መስመራት ኢኮኖሚ፤ ሕርሻዊ ምርምር፤ ቁጥብነት ዘለዎ ፋይናንሳዊ ዝውውርን ባዕሎም ብድፍኢት ዘይተማህረ ሕ/ሰብ ወይ ብእዋናዊ ኩነታት እናተገዝኡ ንክዓብዩ እንተተገዲፎም እቲ ምዕባለ ድኹምን ኣሰልቻውን እዩ። ኢህወዴግ ተኸታቲሉ ክዓሞም ዝግባእ ዝነበሩ ወሰንቲ ስርዓተ ዕዳጋ ናይ ምትብባዕ መደባት ተረሚሶም ተሪኦፎም ኣለዉ።

እቲ ምኽንያት ናይ ኢህወዴግ ሞኖፖላዊ ስርዓተ ቁጠባ ብደረጃ መንግስቲ ክሰላሰሉ ንዝግበኦም ዕማማት ብጎበጣ ስለ ዝሓዞ’ዩ ክኽሰት ክኢሉ ኢህወደጋውያን ብደረጃ ፓርቲ ውሕሉል ንጥፈት ከካይዱ እንከለዉ ብደረጃ መንግስታዊ መዋቕር ህዝቢ ክግልገለሉ ንዝግባእ እጃሞም ክዋፅኡ ክሕተቱ እንከለዉ ዘልሓጥ ስለ ዝብሉ። ናይቲ ፓርቲ ካፒታል ብዕፅፊ ርእሰማል እናዓበየ። ህዝብና ግን ምስ ምሉእ ፀጋታቱ ኣብ ድኽነት ክነብር ተፈሪዱ ‘ሎ።

ንህላወ ኢህወዴግ ኢኮኖምያዊ ሓይሊ ምውናን ውሕስነት’ዩ ተባሂሉ ስለ ዝእመን እንተላይ ካብ ህዝቢ እናተዘረፈ ካብ ዝላዓለ በዓል ስልጣን ክሳብ ናይ ቀበሌ ካድረ ኣብ ዕቑባ ገንዘብ ዝተሸጎጠ ናብራ የሕልፉ ኣለዉ ዝያዳ እቲ ሓሳብ ንፁር ንምግባር ቁጠባዊ ዕቤት ምስክርነት ዘየድልዮን ነፀብራቑ ኣብ ዝባን እቲ ዝነብር ሕ/ሰብ ኩልዕ ኢሉ ዝረአን እዩ።

ዜጋታትና ከብዶም ጥራሕ እኳ ንምኽኣል ኣብ ኣታሓሳሳቢ ኩነታት ብምውዳቖም ሂወት ንምድሓን ሂወት እናሸጡ ብባሕርን ብምድረበዳን እናቖረፁ ናብ ስደት ከምርሑ ክብሉ ብዘይቀባሪ ተደርብዮም ሬስኦም ጨንዩ ይተርፍ ኣብ ዘለሉ እዋን ኮይንካ ስደት ነበረ ክኸውን እዩ ካልኦት ዜጋታት እዮም ብስደት ናብ ሃገርና ክመፁ ኢልካ ምምዳር መጠኑ ዝሓለፎ ንዕቐት ህዝቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ የብሉን።
ኣይኮነን ግዳም ሓደርን ለመንትን ናይ ስራሕ ዕድላት ክኽፈተሎም ነቶም ብምሉእ ዓቕሞም ሃገር ክቕይሩ ዝተዓጥቁ ምሁራትን ሰብ ሃፍትን ‘ውን ናይ ስራሕ ዕድላቶም ብምስንኻል ቀንፈዘው ኣቢሉ ዘረብረቦም ብዙሓት እዮም።
ካብ መራሕቲ ኢህወዴግ ንላዕሊ ብዛዕባ ህልው ኢኮኖምያዊ ኩነታት ኢ/ያ ንፁር ሓበሬታ ዝህቡና ባንኪ ዓለምን ኣይ ኤም ኤፍን ፋይናንሳዊ ዓቕሚ እቲ ስርዓት ብስም መፃኢ ወለዶ ኣብ ዝእወዶ ዕዳ ዝተሰረተ ምዃኑ ብንፁር ቋንቋ ከጠንቅቑ ፀኒሖም እዮም።
ክኢላታት ስነ ቁጠባ ሓንቲ ሃገር መጠናዊ ባጀት ንምስላዕ ዓርሳ እንተኽኢላን ስራሕ ስእነት እንተተቖፃፂራን ዝቕባበ /ናህሪ ዕዳጋ/ ከም ዘየጋጥማ ኣብ ተዛማዲ ምርግጋእ ምህላዋን ይኣምኑ ሓቀኛ ኩነታት ቁጠባ ሃገርና እንተርኢና ድማ ብናህሪ ዕዳጋን ሽቕለት ኣልቦነትን ዝተሓመሰ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዕዳ ዝተመርኮሰ ‘ውን እዩ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ብመንግስቲ ዝንቀሳቐሳ ኩለን ትካላት ኮንስትራክሽንን ብስም ልምዓት ዝተተሓዙ ዝሰላሰሉ መደባትን። ፋይናንሳዊ ባጀተን 20 ሚኢታዊ ካብ ካዝና መንግስቲ 80 ሚኢታዊ ካብ ዕዳ ምንባሩ ከፊላዊ መፅናዕቲ ውድብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ኣረጋጊፁ ነይሩ እዚ ድማ ንውድቀት ቁጠባ ኢህወዴጋውያን ዘመላኽት ድኣ እምበር በሪ ምዕባለ ዘበስር ኣይኮነን።

መራሕቲ ኢህወዴግ ዝውንንዎ ውልቃዊ ሃፍቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከፍልጡ ተሓቲቶም ፍቓደኛታት ኣይኮኑን መጠን ርእሰማል ሰብ ስልጣን ምስቲ ኩልና ንፈልጦ እቶቶም ዝሳነ ኣይኮነን ዘሕልፍዎ ናይ ሕንቃቐ ህይወት ብደመዎዝ መንግስቲ ክሽፈን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ኣፀጋሚ እዩ። ኩሉ ኣገናዚብካ ሃፍቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጀሆ እናተታሓዘ መሐከሊ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ይውዕል ምህላዉ ኣየማትእን።
ከምዚ ዝኣመሰለ ኣበሳ ተሰኪሞም ንኢ/ያ ማእኸላይ እቶት ምስ ዘለወን ሃገራት ዓለም ክንሰርዓ ኢና ክብሉና ከለዉ ዓቕሊ ኣፀንቂቑ ዓዲ ዘሕድግ፤ ዘሐንግድ ብረት ኣልዒልካ ክትሽፍት ዝደፍእ ኣብ ርእሲ ምኻ ኑ። ምስሉይነት ኢህወደጋውያን ዘረጋግፀልና እዩ እንተበልና ኣየገርምን 11% ዕብየት ቁጠባ የለን ኢልና ከይንድምድም ኣሎ ይብሉና ኣለዉ። ኣሎ ኢልና ከይንኣምን ኣብ ሕ/ሰብ ዝረአ ቅራፍ ለውጢ የለን።

እቲ ለውጢ ኣብ መራሕትን ካድረታትን ህወሓት ኢህወዴግ ጎሊሑ ዝረአ ስለ ዝኾነን ኣብ ዝባኖም ንዕዘቦ ስለ ዘለናን እቲ ዝብልዎ ዘለዉ ናይ ዕቤት መግለፂ ካብ ጅባ ኢህወደጋውያን ወፃኢ ዘይምህላዉ ተረዲእና ቃልስና ንቐፅል ምኽንያቱ ተመዝጊቡ ዝባሃል ዘሎ ዕቤት ዝዓረቐ ዝባን ሕ/ሰብና ክኸድን ዝተቐደደ ጅባ ህዝብና ክዓብስ ኣይተራእየን።

ቅድሚ ውሱን ዓመታት መለስ ዜናዊ ሕርሻ ዝመርሖ ኢኮኖሚ ንኽተል ኣለና ይብል ነይሩ። ኣሻቡ ናይ ፖሊሲ ለውጥን ምምሕያሽን ከም ዝገበረ ከይተነፀረ ሃ/ማርያም ደሳለኝ ድማ ኢንድስትሪ ዝመርሖ ቁጠባ ክንሃንፅ ኢና ዝብል ፕሮፖጋንዳ ተዓጢቑ ክልፍልፍ ጀሚሩ ‘ሎ። ብመሰረቱ ናይ ሓሳብን ተግባርን ግርጭት መለለይ ባህሪ ህወሓት ኢህወዴግ ስለ ዝኾነ ድኣ እምበር ኣየናይ ኢዱስትራልያዊ ትካል እዩ ኣብ ኢትዮጵያ ንጠለብ ህዝቢ ኣማሊኡ ዝፈልጥ።
ኣይኮነን ንጠለባት ህዝቢ ክመርሕን ከማልእን ብመጠን ኣፍራይነቱ ነቲ ካብ ወፃኢ ብዶላራት ዝሽመት ተዛማዲ ዓይነታዊ ፍርያት ክመጣጠንን ዕዳጋ ኣብ ምርግጋእ ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ኢንዱስትሪ ኣብ ዝይብላ ሃገር ኢንዱስትሪ ዝመርሖ ቁጠባ ክትሃንፅ ካብ ሕልሚ ቀትሪ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ኣይዋሃቦን ምናባልት ኣብ 1ይ ደረጃ ንዝማሃሩ ህፃናት ከታዓሻሹ ይኽእል ይኸውን ንቡር ዕድመ ንዝረገፀ ዜጋ ግን ጥቓ ከበሮ እዝኒ ዝበፅሕ ‘ውን ኣይኮነን።

እቲ ዝሓመቐ ፖሊሲ ወያነ ዕድላት ስራሕ ኢኮኖሚ ምስ ፖለቲካ ብምቑራን ንዘይምእምእዎ ተወለድቲ ኢ/ያ ዕድላት ኢንቨስትመንት ብምዕፃው ረብሕኡ ንዝሕልውሉ ወፃእተኛታት ኣውፈርቲ ብልዑል ክንክን ሃፍቲ ሃገር ክምዝምዙ ምፍቃዱ እዩ። ዜጋታትና ልሙዕ መሬት እናተመንጠሉ ንባዕዳውያን ክዋሃብ ከሎ ናይ ጉልበት ስራሕ እኳ ከይሓቱ ብዕጡቛት እናተገደዱ ክግፍዑ ምርኣይ ኣፀቢቑ ንዘመዛዝን ዜግነትካ ዘፈንፍን ተግባር እዩ።
ዶላራት ንክትግሕጥ ዜጋታትካ ካብ መሬቶም ምፍንቓል ንቴድሮስ ኣድሓኖም ምፍጣር ዕድላት ስራሕ ኮይኑ እዩ ዝራኣዮ ልሙዕ መሬት ኢ/ያ ንምጉሕጓሕ ዝመፁ ሰብ ሃፍቲ ብስደት ናብ ኢ/ያ ዝኣተዉ መሲሉ እዩ ዝስመዖ ዘሎ። ሰላም ናፊቑ መሰሉ ዝሓተተ ዜጋ ንሃ/ማርያም ደሳለኝ ኣሸባሪ እዩ። ለውጢ ፖለቲካ ዝሓተቱ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ድፋዕ ኢህወዴግ ንምስባር ከም ዝተወደበ ግኑን ሰራዊት እናተቖፅሩ ድራር ዓረር ክኾኑ እዩ ዝፈርዶም
ኢህወዴግ ግጉይ መስመር ይኽተል ኣሎ ኢሉ ንዝነቐፈ ንዝፀሓፈ ጋዜጠኛ ፀረ ልምዓት ዝብል ስም’ዩ ዝዋሃቦ ብኣሉታ ንኢህወዴግ ካብምግላፅ ዝተቖጠበ ወይ ዘመጎሰ ተለማማፂ ሰብ ግን ልምዓታዊ ተባሂሉ ‘ዩ ዝሽለም።

በቢከባቢኡ ንሰላምን ፍትሕን ዝቖመ፤ ቆላሕታ ክግበረሉ ዝሓተተ፤ ተወፂዐ ፀጊሙኒ ዝበለ ኩሉ ፀላኢ ናይቲ ጉጅለ እናተቖፀረ ግዳይ ዘይምሕር መቕፃዕትን መእተዊ እምበር መውፅኢ ዘይብሉ ማእሰርትን ዝኾነሉ ቀጢን ዘመን በፂሕና ኣለና። ድሕሪ እዚ እንታይ ንፅበ ህዝቢ ካብ ኣብራኹ ብዝወፁ ደቁ ብዘይወዓሎ ገበን እናተአስረ እናተረሸነ፤ ብሰንኪ ዓብላልነት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ውሑዳት ዝተኸተልዎ ግጉይ መንገዲ ንዓሌታዊ ምትህልላቕ ዝዕድም ግጉይ ምሕደራ እናራኣና እንታይ ክሳብ ንኸውን ንፅበ ኣለና?
ትማሊ ብደም ኣሕዋትናን ጀጋኑ ኣያታትናን ዝተነቕለ ምልካዊ ኣገዛዝኣ ኣብ ልዕሊ መቓብር ሰማእታትና ዳግም ሱር ክሰድድ እናራኣና እንታይ ንፅበ ኣለና። ስለዚ ናይ ምዝመዛን ዓመፅን ሰንሰለት ክሳብ ዝቐፀለ እቲ ንደርጋውያን ዝነቐለ ቃልስና ሎሚ ‘ውን ክነበራብሮን ክንቅፅለሉን ግዴታ ኣለና።