Tuesday, November 17, 2015

እቲ ዝባሃል ኣይትግበርን ! እቲ ዘይትግበር ምዝራብ ግን ልሙድ ዕማም መራሕቲ ኢህወዴግ እዩ!! 4ይ ክፋል



ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ናይዚ ፅሑፍ ናብ ካልእ ቅድሚ ምኻደይ ሓደ ከልዕሎ ዝደሊ ነጥቢ ኣለኒ። ባራክ ሑሴን ኦባማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ዑደት ብህዝቢ ዝተመረፀ ስርዓት ብሓይሊ ክኣልዩ ንዝሓስቡ ተቓወምቲ ኣይንድግፍን ምባሉ ንመራሕቲ ኢህወዴግ ዓብዪ ፍናን ምፍጣሩን ጃህራዊ ነብሰ ትዕቢት ክፈጥሩ ምኽኣሎምን ከየታሓሳሰበኒ ኣይተረፈን።

መራሕቲ ኢህወዴግ ብሓቀኛ ግንዛበ ርድኢቶም ዘስፍሑ እንተኾይኖም። “ኣሜሪካ ንጥቕሚ ኣሜሪካ ጥራሕ ትቃለስ” ዝብል መርገፂ ዩናይትድ ስቴትስን ባራክ ኦባማ ኣብ 2002 ዓ/ም ንዝተኻየደ መረፃ ወያነ ኣመልኪቱ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ዝፀሓፎ ደብዳቤን ብምግንዛብ ንፁር መረዳእታ ኣሜሪካ ክሕዙን። ንመደረ እቲ ፕረዚዳንት ሰጊሮም ብምምዕዳው ንህላወን ጥቕምን ኢትዮጵያ ክቃለሱን ምተገበአ።
ኦባማ ንሃገሩን ንኣሜሪካውያንን ዝያዳ ንምርባሕ ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት እንተኸፈለ ዘኽፋኣሉ ኣይኮነን እሙናት ኣገልገልቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ምብራቕ ኣፍሪካን ንምምልማልን ረብሓ ኣሜሪካ ንምዕዛዝን ንኣገልገልቱ ልዕሊ ዝግበኦም እንተወደሶም ‘ውን ንጥቕሙ’ዩ።
ናብቲ ሓቂ እንተተመሊስና ግን ኦባማ ንመረፃ 2002 ዓ/ም ነቒፉ ንመረፃ 2007 ዓ/ም ክምጉስን ሓቀኛ መረፃ ክብሎን ምስማዕ ኣብ ድሕሪ እቲ መደረ ንዝተኸወለ ሓቂ ንኽንእልሽ ዝተዋሃበ ዕዮ ገዛ ከም ዘሎ ክንዝንዕ ኣይግባእን።

ምኽኝያቱ መረፃ 2002 ዓ/ም ወፃእተኛታት ተዓዘብቲ፤ ናይ ኣሜሪካ ካርተር ማእኸል፤ ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን፤ ናይ ውሽጢ ዓዲ ተወከልትን ዋላ እኳ ትርጉም እንተዘይነበሮ ብወግዒ ዝተኸታተልዎን ንፁር መግለፂ ዝሃብሉን እዩ ነይሩ። ንኣንፃሩ 2007 ዓ.ም ዝተኻየደ መረፃ ስርዓት ኢህወዴግ ዓፋኒ ብምዃኑ ሓቀኛ ዴሞክራስያዊ መረፃ ኣይንፅበን ብምባል እታ ኦባማ ዝመርሓ ኣሜሪካን ኤውሮፓዊ ሕብረትን ነቲ መረፃ ኮኒኖሞ ነብሶም ምግላሎም ርዱእ ኮይኑ። ባራክ ኦባማ ነዚ ከየገናዘበ መዲሩ ክባሃል ኣይካኣልን።

ኦባማ ንመረፃ 2002 ዓ/ም ኣመልኪቱ ናብ ኢትዮጵያ ዝላኣኾ ርኢቶ “ኢ/ያ ሓቀኛ፤ ተኣማንን ፍትሓውን ምርጫ ክተካይድ እንተዘይክኢላ ውሽጣዊ ሰላማን ህንፀት ዴሞክራስን ክምዕብል ስለ ዘይኽእል ነቲ መረፃ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ” ፀቒጡ ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ሎሚ ብህይወት ዘየለ መለስ ዜናዊ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መልሲ “ኣሜሪካ ክሳብ ሕዚ ንዝገበረትልና እናመስገንና ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ጣልቃ ምእታው እንተጀሚራ ግን ዓርስና ክንክእል ክንፅዕር ኢና” ብምባል ንኣሜሪካ እናነፀለ ናብ ቻይና ምፅጋዕ ጀሚሩ ነይሩ።
ሚዛን ዓለማዊ ፅልዋ ንምቁፅፃር ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንኣሜሪካ የገድሳ’ዩ። ነዚ ንምዕዋት እታ ርኡይ ተራ እትፃወት ኢትዮጵያ ምስ ቻይና እንተተፀጊዓ ድማ ንእስትራተጂካዊ ረብሓታት ምዕራባውያን ዓብዩ ሓደጋ እዩ። ክንዲ ዝኾነ ኦባማ ካርተር ማእከል human rights watchን freedom hauseን ካልኦት ናይ ሰላም መርሃ ግብሪ ዘለወን ትካላትን ዘቕረባሉ መፅናዕታዊ ከይድን ውፅኢትን መረፃ ጎስዩ። መራሕቲ ኢህወዴግ ብዝህቢ ዝተመረፁ እዮም እንተበለ። ዝሓርፈፈ ዝምድና ኣሜሪካን ኢህወዴግን ንምምሕያሽ ብፍላጥ ዝፍፅሞ ናይ ክፍኣት ጌጋ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣየደንቕን።
ካልእ ይትረፍ ኣሜሪካ ናብ ሶማልያ ሰራዊታ ክትልእኽ መደብ ኣለዋ ዶ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ። “ዞባዊ ሰላም ሶማልያ ንምርግጋእ ሰራዊት ኢ/ያ ኣኻሊ እዩ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ንፉዓት ተዋጋእቲ እዮም” ዝብል መልሲ ባራክ ኦባማ ንመራሕቲ ኢህወዴግ ብሕምባዛ ከበሮ’ዩ ኣውቂዕዎም። ዜጋታትና ኣብ ዘይምልከቶም ቀጠና እናኣተዉ መዝሓሊ ዓረር ዓልሸባብ ኮይኖም ሬስኦም ኣብ ጎደናታት ሞቓድሾ ዝተጎተተሉ ናይ ትማሊ ቁስልና ዝጎድእ መደረ ግን ክብርና ዝትንክፍ ዘሐዝን ቃል’ዩ።

ዓይንና ናይ ሓዘን ንብዓት ቋፂሩ ልብና እናጓሃየ። ወላድ ኣደ ክስመት ተኸዲና እናሃለወት። መራሕቲ ኢህወዴግ ግን ኣብ ኲናት ብዝተሰውኡ ኣሕዋትና ዝኽፈሎም ዶላራት እናማዕደዉ እናራኣዩ ከም ፅምብላሊዕ ናብ ሓዊ ይጥበሱ ምህላዎም ርዱእ ኮይኑ። ዜጋታትና ድራር ሓዊ ቅድሚ ምዃኖም መንገዲ ለውጢ ክነታኣታቱን እዋናዊ ፀቕጢ ክንፈጥርን ይግባእ።
መራሕቲ ህወሓት ኢህወዴግ ብህዝቢ ዝተመረፀ ስርዓት ተባሂልና ብምባል ናይ ጃህራን ትዕቢትን መቓልሕ ከዋዓውዑ ምኽኣሎም ክሳብ ክንደይ ካብ ሓቂ ይሃድሙ ከም ዘለዉ ዘርእየና ፍሽለት እዩ። እቲ ዝገርም ግን እቲ ካልእ ብመንገዲ ኦባማ ዝተዋሃቦም ነቐፌታ ስለ ዘቕሓሮም ኣብ ውሽጦም ዓቂቦም ክቐብርዎ እዮም ፈቲኖም።

ኢትዮጵያ ብዘይካ ዜጋታታ ካልእ ሰብ ክሃንፃ ስለ ዘይኽእል እቲ ስርዓት ውሽጡ ንኽድህስስ ተቓወምቲ ንኸበራትዕን ዝተዋሃቦ ምኽሪ። ኢትዮጵያ ብራዕድን ሽበራን ዝኸሰሰቶም ዜጋታታ ምስ ሽብር ዘቀራርብ ነጥቢ ከም ዘይብሉ ንዝተዋሃቦም ግብረ መልሲን ካልእ ተመሳሳሊ ነጥብታትን ክሕባእ እዩ ተፈቲኑ።

ንለባም ኣምተሉ ንዓሻ ደርጉሓሉ ስለ ዝኾነ። ኦባማ ኩለ መዳያዊ ዓመፅ ደቂ ኣነስትዮን ጉዳይ ትምህርትን ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ዝርምስ ግዕዝይናን ክውገዱ ዝግበኦም ኣምባገነናዊ ስርዓተ ምሕደራን ኣብ ህዝቦም ንዝኽተልዎ በደልን ብምዝርዛር መራሕቲ ኣፍሪካ ንኽነቕሕሉ ገሊፁ እኳ እንተነበረ። “ፈሊጡ’ያ ዝደቀሰስ ቀስቂስካዮ ነይሰምዕ” ስለ ዝኾነ ንመራሕቲ ኢህወዴግ ክስቆሮም ኣይካኣለን።

መራሕትን ካድረታትን ኢህወዴግ ሕልነኦም ንናይ ገንዘብ ረብሓ ስለ ዝለወጥዎ ዘመዛዝን ኣታሓሳስባ ከሕድሩ እዮም ኢልና ኣይንፅበን። ብተሞክሮ ዝተዓዘብናዮ ታሪኽ ርብዒ ክፍለ ዘመን ቃላት ጥራሕ እዩ። ክንኣምኖም ክንፅገም ድማ ግድን እዩ። ንሳቶም ግን ዝቕበሎም ይርከቡ ኣይርከቡ ብዘየገድስ ዝተመረፁ ናይ ዲስኩር ሓሳብት ኳሓሒልካ ናይ ምቕራብ ልምዲ ስለ ዘለዎም ክቕፅልዎ እዮም።

ካብቶም ንቁጠባን ለውጢ መነባብሮን ኣመልኪቶም ዝዋሃቡ ናይ መተሃራረፍቲ ቃላት።- “ኢትዮጵያ ካብ ድኽነት ተላቒቓ ማእኸላይ እቶት ምስ ዘለወን ሃገራት ክትስራዕ እያ” ዝብል መግለፂ ካብ ንሰምዕ ሓፂር እዋን ኣይኮነን ተቖፂሩ። 24 ዓመታት ሙሉእ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ብዝኸፈትናዮ ቁፅሪ ተመጊብናዮ ኢና። “ንተኸታተልቲ ዓመታት ቁጠባ ኢትዮጵያ ብ11 ሚኢታዊ ዓብዩ” ዝብል መግለፂ ምስማዕ ቀሊል እዩ። ብተግባር ግን ፈፂሙ ኣይተኻእለን።

“ካብ ሕርሻ ዝመርሖ ቁጠባ ናብ ኢንዳስትሪ ዝመርሖ ቁጠባ ክንሰጋገር ኢና” ዝብል ወረ ማዕኸናት ዜና ካብ ቤ/ፅሕፈት ሃ/ማርያም ደሳለኝ ምንፋስ ‘ውን ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ንዕዳጋ ዘተባብዑ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምዝርጋሕ፤ ፍርያት ብቕልጡፍ ናብ ተጠቀምቲ ብምብፃሕ፤ ቁጠባ ከም ዘበራብርን ዕድላት ስራሕ ብምኽፋት ንለመንትን ግዳም ሓደርን ከይተረፈ ዓርሶም ክኽእሉ ክንገብር ኢና ካብ ምባል ‘ውን ኣይተገትኡን።
“ሓንካስያ ዝመራሒተንስ ኩለን ደውላፃት” ግዲ ኮይኑስ መመላእታ መደረ ሃ/ማርያም ደሳለኝ ብዝመስል መልክዑ። ወፃኢ ጉዳያት ናይቲ ስርዓት ቴድሮስ ኣድሓኖም ‘ውን “ቁጠባ ኢትዮጵያ እናዓበየ ስለ ዝኾነ ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ ናብ ስደት ከምርሑስ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት እዮም ብስደት ናብ ኢ/ያ ክመፁ” ኢሉ ክምድር ከሎ ንእሽተይ ስክፍታ ‘ውን ኣይተሰመዖን።

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ናይዚ ፅሑፍ ኣብቲ ሓቀኛ ባይታ እንተወሪድና ለውጢ ዝባሃል የለን። ጭቡጥ ወቕታዊ ኩነታት ዘቃልዖ ዘሎ ስእሊ ኢትዮጵያውያን ድማ ሕማቕ ጥራሕ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነስ መፍትሒ ክተናዲ ‘ውን ዝድርኽ እዩ። ነዛ ፅሕፍቲ ኣብ ምድላው እናሃለኹ ሬድዮ ጀርመን ቋንቋ ኣምሓርኛ ከፊተ ይከታተል ኣብ ዝነበርክሉ ግዜ።-
ናብታ ብሓያል ኲናት ሕድ ሕድ ትሕመስ ዘላ ዓረባዊት ሃገር የመን። ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ብወደባት ጅቡቲን ሶማልያን ንስደት ይውሕዙ ምህላዎም፤ ስዑድ ዓረብ ንኢትዮጵያውያን ዜጋታት ብምስያፍ ከም ዝቐፀዐት፤ ባሕሪ መዲትራንያን ናይ ብርክት ዝበሉ ደቂ ኣዳም ህይወት ከም ዝበለዐ፤

ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ፈረንሳይ ዝኣተዉ ዜጋታት ካብ ማዓስከር ስደተኛታት ፈረንሳይ ጠፊኦም ብሪጣንያ ንምእታው ብሓለውቲ ፀጥታ እናተባረሩ ይንከላበቱ ምህላዎም ዝገልፁ ሓበሬታታት ክሰምዕ ከለኹ። ምስ መደረ ናይቶም መራሕቲ ኣነፃፂረ ንክሓስብ ስለ ዘገደደኒ ከቢድ ሓዘን ይስማዓኒ ነይሩ።

እቲ ጠንቂ ንምውጋድ ከቢድ መስዋእትነት ከም ዝሓትትን ፃዕርና ክነሐይልን ዝፅውዕ ኮይኑ። መሰረቱ ግን ተግባር ኣልቦ ወያነ ዝኽተሎ ዘሎ ስርዓተ ቁጠባ ለውጢ ከምፅእ ዘይምኽኣሉ ውፅኢት ድኹም ምሕደርኡ ምዃኑ ዘሻሙ ኣይኮነን።