Saturday, November 21, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ይካየድ ኣብ ዘሎ ናይ ህዝብን ኣመሓደርትን ኣኼባታት ምኽትል ኣመሓዳሪ ናይ’ታ ዞባ ብግዕዚና ምኽንያት ካብ ስርሑ ከም ዝተባረረ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታትና ገሊፆም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምዕራብ  ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ናይ ህዝብን ኣመሓደርትን ኣኼባታት ናይ’ታ ዞባ ምኽትል ኣመሓዳሪ ሃፍቱ ወልደስላሰ ዝተብሃለ  ስልጣኑ ተጠቒሙ ካብ ናይ ህዝባዊ ሓላፍነት ወፂኡ ኣብ ርካሽ ዝኾነ ስራሕትን ውልቃዊ ጥቕምን ከም ዝተዋፈረ ብተኣካቢ ህዝቢ ብዝቐረበሉ ገምጋም ካብ ስርሑ ክባረር ከም ዝተገብረ ተገሊፁ።
ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታትና ወሲኾም ከም ዝገለፅዎ እቲ በዓል ስልጣን በቲ ህዝቢ ግዕዚና ጠልቒዩ ኣደዳ ተደራራቢ ፀገማት ኣቃሊዑና እዩ ዝብሉን ካልኦትን ነቐፌታ ብ 22 ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ኣኼባ ምስ ቐረበሉ ካብ ዝነበሮ ስራሕ ከም ዝተባረረ ድሕሪ ምግላፅ፣ ሐዚ እውን እቲ ገምጋም ብሰፊሑ ይቕፅል ከም ኣረዲኡ።