Saturday, November 21, 2015

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዝርከብ ቤት ህንፀት ልዕሊ 3 ሽሕ እሱራት ብምሓዙ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ ዓቕሙ ኮይኑ ከም ዝተጨናነቐ ተፈሊጡ።



ብመሰረትሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዝርከብ ቤት ህንፀት ልዕሊ 3 ሽሕ እሱራት ብምሓዙ  ነቲ ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ ዓቕሙ ኮይኑ ከም ዝተጨናነቐ ኣብ’ታ ከተማ ዝርከቡ ምንጭታትና ካብ ዝለእኽዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብምዃኑ ድማ እቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ እሱራት ብምሓዙ እቲ ዝፀነሐ ገዛውቲ ነቲ መዓልታዊ ዝኣቱ እሱር ክፀውር ዝኽእል ዓቕሚ ስለ ዘይቡሉ ተወሰኽቲ ብቆርቆሮ ገዛውቲ ሰሪሖም ይዳጉኑዎም ከም ዘለዉ።