Friday, November 27, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ሓለፍቲ ቤት ማዛገጃ ብኣድልዎን ብገበረለይ ክገብረለካን ስለ ዝሰርሑ ህዝቢ መረረቱ ይገልፅ ምህላዉ ተፈሊጡ።



  ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ሓለፍቲ ቤት ማዘጋጃ ዝተወሃቦም ስልጣኖም ተጠቒሞም መሬት ብዘይ ኣግባብ ብምዕዳል ኣብ ግበረለይ ክገብረልካ  ብልሽው ዝኾነ ኣሰራርሓ ጥሒሎም ኣብ ልዕሊ  ህዝቢ  ግፍዕታት ይፍፅሙ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ካብ’ቶም ግዕዝይና ዝፍፅሙ ሓደ ተኽላይ ግደይ ዝተብሃለ ኮይኑ ንሱ ሓላፍነቱ ተጠቒሙ  ግዕዝይና   እናፈፀመ ኢድ ብኢድ  ብምትሕብባር ህዝቢ ከም ዝተኣስረ ተገሊፁ።
     እቲ ሓበሬት ኣስዒቡ ሓላፍነት ተጠቂምካ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን  ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኻ ምጥጣሕ ተግባር ኣብ ከተማ ሑመራ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ተግባር ምዃኑን ከም ውፅኢቱ ድማ ነዛ ሃገር ብምዕባለ ንድሕሪት ክትጉተት ካብ  ጠንቅታት ሓደ ምኽንያት ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።