Friday, November 27, 2015

ኣብ ዶብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ግጨው ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ መንጎ ዝነብሩ ወገናት ዳግም ግጭት ተወሊዑ ምህላዉ ተፈሊጡ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ መዋሰኒ ክልላት ኣምሓራን  ትግራይን ግጨው ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝነብሩ ወገናት ቅድም ክብል ሰበ ስልጣን ናይ ክልትኡ ክልላት ብዝኣጎድዎ ሓዊ ዘይምስምማዕ  ተፈጢሩ  ምንባሩ  ዝፍለጥ ኮይኑ  ሕዚ ድማ  ከም መቐፀልትኡ እቲ ግጭት መሊሱ ተጓሃሂሩ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ጠንቁ ድማ ተወለድቲ ትግራይ ሓሪሶም ዘፍርይዎ ምህርቲ እኽሊ ሒዞም ናብ ገዝኦም ከይኸዱ ተወለድቲ ኣምሓራ ሙቖሉና ወይ ኣይትወስድዎን ብምባል ክሳውዲ እናሓዙ ከም ዝኸልከልዎም ተፈሊጡ።
    እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ክልላት ብቐፃሊ ዝውላዕ ዘሎ ግጭት ብእዋኑ መዕለቢ ዝገብረሉ ኣካል ስለ ዘየለ እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ገፁ የምርሕ ምህላዉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ካብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ገሊፆም።