Tuesday, December 1, 2015

ኣብ ከተማ ዳባት ዝነብር ሕብረተሰብ ንመበል 35 ዓመት ምስረታ ዉድብ ብኣዴን ደጊፉ ሰላማዊ ሰልፊ ክወፅእ ፍቓደኛ ከም ዘይኮነ ተገሊፁ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከተማ ዳባት ዝነብር መላእ ሕብረተሰብ ብ28 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም ንመበል 35 ዓመት ልደት ዉድብ ብኣዴን ድጋፉ ዘስመዓሉ ሰለማዊ ሰልፊ ከካየድ ብካድረታት እቲ ዉድብ ንዝቐረበሉ ፃዉዒት ብምንፃግ እቲ ህዝቢ ዝኾነ ይኹን ነቲ በዓል ዝምልከት ምድላዉ ከም ዘይገብር ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ኣብታ ከተማ ዝነብር ህዝቢ ኣብ ዝሓለፉ 24 ዓመታት ዘመነ ስልጣን ብኣዴን ኢህወዴግ ንተቓወምቲ ዉድባት ትድግፍ ኢኻ እናተብሃለ ክሰርሑ ዝግብኦም ናይ መሰረተ ልምዓት ዝርገሐን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ክረክብ ብዘይ ምፅንሑ ኣብ ልዕሊ እቲ ገዛኢ ስርዓት ተደጋጋሚ ተቓዉሞታት ከካይድ ከም ዝፀንሐ  ተገሊፁ።