Sunday, December 6, 2015

ኣብ ክልል ደቡብ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ መናእሰይ ኣባላት ተቓወምቲ ዉድባት ኢኹም እናተብሃሉ ብዕጡቛት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ እናተጨወዩ ሃለዋቶም ይጠፍኡ ምህላዎም፣ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።



ኣብ ክልል ደቡብ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዞባ ጉራጌ ዝርከቡ መናእሰይ ብዕጡቛት ስርዓት ኢህወዴግ ተጨዉዮም ሃለዋቶም ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ካብዚኣቶም ድማ ሽመልስ ኣሰፋ፣ ታከለ ኣሰፋ፣ ታረፈ ኩራዝን ማሙሻን ዝተብሃሉ መናእሰይ ኣባላት ተቓወምቲ ዉድባት ኢኹም ተባሂሎም ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ምስ ተወሰዱ ክሳብ ሕዚ ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥ ተገሊፁ።
እቶም በቲ ስርዓት ተጨዉዮም ዝተወሰዱ ንፁሃት መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ስራሕቲ ይንቀሳቐሱ እኳ እንተነበሩ። እቲ ስርዓት ግን ኣብቲ ክልል ንዝካየድ ተቓዉሞታት ህዝቢ ንስኹም ኢኹም ወደብቱ ኣባላት ተቓወምቲ ኢኹም ብምባል ብዘይ ጭቡጥ መርትዖ ብዕጡቛት ናይቲ ስርዓት ናብ ዝይተፈልጠ ቦታ ከም ዝተወሰዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።