ብመሰረት
ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ወልቃይት ከተማ ቆራሪት ብዕለት 10 ሕዳር 2008 ዓ/ም ባዕሉ እቲ ስርዓት
መሬቶም መንጢሉ ዘፈናቐሎም ገባራት እግሪ መትከሊ ክዉዕል ተባሂሉ ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ጥርዓን ዝመፀ 37 ሽሕ ቅርሺ ጫቕለ ተስፉን ፀጋይ ፍትውን ዝተብሃሉ ኣመሓደርቲ መዕለቢኡ ዘይፍለጥ
እናቖራረፁ ብምትራፍ ዝተወሰነ ይዕድልዎም ከም ዘለው ተፈሊጡ።
ንዝተፈናቐሉ
ገባራት እግሪ መትከሊ ተባሂሉ ካብ ዝመፀ 37 ሽሕ ቅርሺ ካብ ነፍሲ ወከፍ ገባር እቲ 10 ሽሕ ቅርሺ ንምንታይን ብኸመይን ተቕኒሱ
27 ሽሕ ቅርሺ ጥራሕ እናፈረመ ክዕደል ዝግበር ዘሎ? ክብል ንህዝቢ ቅልጡፍ ምላሽ ክወሃብ ከም ዘለዎ እንተዘይ ኮይኑ ግን ክሳብ
ፌደራል ክንበፅሕ ኢና ዝብሉን ካልእን ሕቶታት እናልዓለ ኣብ ዕግርግር ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።