Tuesday, December 8, 2015

ብደረጃ ክልል ትግራይ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ኣኼባ ኣብያተ ፍርዲ ዝተሳተፉ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ትግራይ ፍትሒ ዝበሃል ጠቕሊሉ ጠፊኡ እዩ ክብሉ ከም ዝገለፁ ተፈሊጡ።



ኣብ'ቲ ብ18 ሕዳር 2008 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ብክልል ደረጃ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብያተ ፍርዲ ዝተረኸቡ ተወከልቲ ህዝቢ ርኢቶኦም ከም ዘቕረቡ ድሕሪ ምግላፅ ንሳቶም ኣብ ትግራይ ፍትሒ ዝብሃል ጠቕሊሉ ጠፊኡ እዩ ሕብረተሰብ ብጉቦን ቆፆሮን ኣብ ምንክልባት ከም ዝርከብ ብፍላይ ድማ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ብክልል ደረጃ እንትረአ ብግዕዝይና ተጨማሊቑ ቅድሚት  ከም ዝስራዕ ገሊፆም።
ካብ'ቶም ኣብቲ ኣኼባ ርኢቶኦም ዘቕረቡ ድማ፦ ሃለቃ ካሕሳይ፤ ወ/ሮ ኣለም ፀጋይን ካልኦትን ዝርከብዎም እንትኾኑ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ ኣብ ስርቅን ግዕዝይናን ዝተረኸበ ሽሞኛ ናብ ሕጊ ኣቕሪብካ ኣብ ክንዲ ዝሕተት ብኣንፃሩ ግን ስልጣኖም ክዉስኹ ኢና ንዕዘብ ዘለና ክብሉ ብምረት ከም ዝተዛረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።