Friday, January 8, 2016

ሕቶታት ህዝቢ ዓፊንካ፣ስደት ብኣዋጅ ኣይዕገትን!!



       ስደት ንህላወን ድሕንነትን ህዝብታት ሓንቲ ሃገር ወቃሕ ኣብ ዘበለካ ግዜ ብተውፀኦ ኣዋጃትን መምርሕታትን ዝዕገት ዘይኮነስ፣ ካብ ሰናይ ጒሓቱ ሰላም፤ ልምዓት፤ ፍትሒ፤ ሰናይ ምምሕዳርን ዴሞክራስን ብምንጋስ ዜጋታት ፀጋታት ሃገሮም ብማዕረ ዝርብሕሉን ዝጥቀምሉን ባይታ ብዘረጋግፅ መልክዑ ዘርጊሕኻ፥ እፎይታ ረኺቦም ኣብ ዓዶምን መረበቶምን ርሃፆም ኣፍሲሶም ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ረኺቦም እንትነብሩ ጥራሕ እዩ።

    ስልጣን ዝሓዘ ስርዓት ኩሉ ናይ'ታ ሃገር ዜጋ ዝሳተፈሉን ዝኣምነሉን ንፁር ፖሊሲ ልምዓት ብምሕንፃፅ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ደረጃ ብደረጃ ለውጢ እናፈጠረ ውሕስና ህልውንኦም ተሓልዩሎም ክነብሩ እንትገብር እዩ።

     ብተመሳሳሊ ውሽጣዊ ሰላምን ምርግጋዕን ኣንጊሱ፣ መነባቡሮ ዜጋታት ብዝሕሸ ዕብየት ኣረጋጊፁ፣ ኢሉ እውን ኣሳታፊ ፖለቲካዊ ምሕደራ፤ ምኽባር ሰብኣውንሞክራስያውን መሰላት፣ ተሓታትነት ዘለዎ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣንን ንፁር ስትራተጂን ህዝቢ ክማለአሉ ስለ ዝጠልብ፣ ነዚ ጠለባት እዚ ዝምልስ ፖለቲካዊ ባህርን ግብራዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ክህሉ ናይ ግድን ይሓትት።

    እዞም ዝተጠቐሱ ጠለባትን ድልየትን ኣብ ዘይተረጋገፀርሉ ድማ ሰብ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ካልእ ክጥምት ባህርያዊ እዩ። ስለ ዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ደቂ ሰባት ብሕጋዊ ይኹን ብዘይ ሕጋዊ መሰርሕ መረበቶም ራሕርሖም እናፈለሱ፣ ብባሕርን ምድረባዳን ኣቋሪፆም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ናብ'ተን ዝሐሸ ስራሕን መነባቡሮን ዘለወን ምዕራባውያን ሃገራትን ካልኦትን ተሰዲዶም ክኣቱ ኣብ ዝፍትንሉ፣ መዓልታዊ ሂወት ዜጋታት ብጥምየትን ስቓይን ኣብ ፈቐድኡ በረኻ እንትሓልፉ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ባሕሪ ንድራር ዓሳ እናኾኑ ይርከቡ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ናይ ደቂ ሰባት ዉሽጣዊ ኣካላት ከም እንስሳ ጠቢሖም ምንጪ ኣታዊ ዶላራት ብምግባር፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሰይጣናዊ ዕላማ ሒዞም ጃምላዊ ህልቂት   ኣብ ምፍፃም ብዝተዋፈሩ ደላሎን ፈጠርቲ ራዕድን ዓለም ተናዊፃ ከም ዘላ ዘተሓታት ኣይኮነን።

  ነዞም በብእዋኑ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ፈሊሶም ናብ ሃገራት ኣውሮፓ ዝኣቱ ወገናት ድማ፣ ብሕብረት ኣውሮፓ ነዚ ሽግር ንምዕጋት ዘይተፈተነን ዘይተገበረን ስምምዓትን ዋዕላን የለን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ክሳብ ብመሬት ተጓዒዞም ንዝኣትው ስደተኛታት፣ ነቲ መእተዊ በሪ ስደተኛታት ዝበሃል ብሓፁር ከለላ ብምግባር ንምዕጋት ተፈቲኑ እዩ። እንተኾነ ግን ገዲዱ ደኣ እምበር ክዕገት ኣይከኣለን።
   በዚ መሰረት ሃገርና ኢትዮጵያ ኣካል ናይ'ዚ ብምዃና ዜጋታትና ብሰንኪ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጨቛኒ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ሃገሮም ከይነብሩ  መሰረታዊ ጠለባትን ድልየትን ስኢኖም፣ ንኽማለአሎም ንዝሓቱዎ ጥርዓን ይኹን ሕቶ ብሓይሊ ተዓፊኖም፣ ብዘይ ሓደ ፍታሕ ተዓፊኖም ምንባር ልዕሊ ዓቕሞም ኮይኑ ምስ ሓርበቶም ድማ ናብ ስደት ከምርሑ በቢ እዋኑ ሂወቶም እናሓለፈ ፀኒሑን ኣሎን።
  ሎሚ መራሕቲ ኢህወደግ ዜጋታትና ነቲ ካብ ሃገሮምን ስድርኦምን ገዲፎም ንስደት ንኽዳረጉ ዝገብሮም ዘሎ ዋና ጠንቂ ኣብ ክንዲ ዓሚቕ ፅንዓት ተገይርሉ ዘላቒ መፍትሒ ዘቕምጡ፣  ከም'ቲ ልሙድ ዘካይድዎ ምስሉይ ናይ ፓርላማ ኣኼባ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ንድሕነት ዜጋታት ብዝብል ጉልባብ ኣዋጅ ኣውፂእና ኢሎም ዝርዝር ነጥብታት ከስምዑ ተራእዮም።
  እዚ ኣዋጅ ድማ ነቲ ብሰንኪ ካድረታትን ሓይልታት ፀፅታን ናይ'ቲ ስርዓት መዓልታዊ ብሹም ፀጉሪ ለወጥ ብዝብል ጥርጣረ ክእሰር ክፍታሕ ዝውዕል ዘሎ ንፁህ ወገን፣ ብዝኸፈአ መንገዲ ነፃነትን መሰልን ኣስኢኑ፣ ዝዕፍንን ዝጥሕስን እንተዘይ ኮይኑ ካልእ ኣብ ድሕንነቱ ዘምፅኦ ለውጢ የብሉን። ምኽንያቱ ህዝብና መሰረታዊ ድልየታቱን ሕቶታቱን ፍታሕ ሓርቢትዎ፣ ንተደራራቢ ሽግራት ተሳጢሑ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰሉ ብሓይልታት ፀፅታ ተዓፊኑን ተረጊፁን ኣብ ዘለሉ እዋን ስደት ብኣዋጅ ክዕገት ፍፁም ኣይካኣልን።