Thursday, March 3, 2016

ካብ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝኸድዑ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ቁፅሮም ይበራኸት ብምህላዉ ነቶም ዝተረፉ ኣብ ፅዕፁዕ ኣኼባ ከዋጥርዎም እኳ ይፍትኑ እንተለዉ ብዘይ ምርድዳእ ይብተኑ ከም ዘለው ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፣  ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ገዛስርዓት ኢህወዴግ ከዲዖም ዝጠፍኡ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ቁፅሮም ካብ እዋን ናብ እዋን ይበራኸት ብምህላዉ፣ ነቶም ዝተረፉ ኣፈራርሖም ንምሓዝ ኣብ ፅዕፁዕ ኣኼባ ከዋጥርዎም እኳ እንተፈተኑ እቲ ኣኼባ ብዘይ ምርድዳእ ይብተን ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ  ወሲኹ ከም ዘረደኦ፣ እቲ ናይ ፌደራል ፖሊስ ኣኼባታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተጀመረ ኮይኑ፣ እቲ ኣኼባ ኣብ ሞንጎ ሕድሕድ ሓለፍቲ ግጭትን ዘይምስምማዕን ዓሲሉዎ ዝካየድ ብምንባሩ ብዘይ ዝኾነ ምርድዳእ ከም ዝተበተነ ኣፍሊጡ።
መቐፀልታ ናይ’ዚ ድማ ኣብ ከተማ ባህርዳር ንካልኣይ ግዜ ካብ ለካቲት 13 ክሳብ ለካቲት 16 ዝተኻየደ ኮይኑ፣ ኣብ’ቲ ኣኼባ ካብ ዝለዓሉ ዝነበሩ ሓሳባት ድማ፣ ህዝቢ ንመግስቲ እንታይ ኮይኑ ፀሊኡዎ? መንግስቲ ንህዝቢ ንምንታይ የሳቒ? ንምንታይ ንሕድሓድ ናይ ህዝቢ ቁጠዐ ብሓይሊ ብረት ክንብትኖ ንፍትን? ንምንታይ ንህዝብና ብዘይ ምሕረት ቅተሉን እሰሩን ንበሃል? ናብ ህዝብና ክንትኩስ ብላዕለወት ንምንታይ ትእዛዝ ይወሃበና? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት እቶም ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ሓሳቦምን ርኢቶኦምን ዘቕረቡ እንትኾኑ፣ ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ኣኼባ ብዘይ ምስምዕማዕ ከም ዝተበተነ ኣረዲኡ።
ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ 4 ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝነበሩ ኣባላት ኣመራርሓ ፌደራል ፖሊስ ከም ዝጠፍኡ ዝገለፀ ኮይኑ፣ ክሳብ ሕዚ ኣበይ ከም ዝኣተው ንፁር መረዳእታ ከም ዘይተረኸበ ተፈሊጡ።

No comments:

Post a Comment