Thursday, March 3, 2016

ተቓዋሚ ፓርቲ ዓረና መድረኽ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ን20 ለካቲት 2008 ዓ/ም ከካይዶ ዝሓሰቦ ሰላማዊ ሰልፊ ብመራሕቲ ህወሓት ከም ዝተኣገደ ተገሊፁ።



እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ተቓዋሚ ፓርቲ ዓረና መድረኽ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቐለ ብሰንበት 20 ለካቲት 2008 ዓ/ም ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርና ኣመልኪቱ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ሕጋውነቱ ሓልዩ ንዘቕረቦ ሕቶ ብመራሕቲ ህወሓት ከም ዝተኣገደ ተፈሊጡ።
ብሕታዊ ተናሓናሒ ፓርቲ ዓረና መድረኽ 4 መሰረታውን ህፁፅ መፍትሒ ዘድልዮም ክልላውን ሃገራውን ዛዕባታት ኢሉ ካብ ዝጠቕሶም ነጥብታት፣ ልዕልነት ሕጊ ንኽኽበር፤ ብጥምየት ንዝሃልቁ ዘለው ወገናት ፉሉይ ቆላሕታ ንኽግበረሎም፤ ኣብ ክልል ኦሮሞ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቲ ንዝወስዶ ዘሎ ጨፍጫፍን ህልቂትን ንኸቛርፆ ዝምልከትን ካልእን ሒዙ እኳ ሕቱኡ ዘቕረበ እንተኾነ፣ መራሕቲ ህወሓት ግን ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ንኸየካይድዎ ናይ መፈራርሕን መጠንቀቕታን ብምሃብ ከም ዝዓገትዎ ኣረዲኡ።
ኣብ መወዳእታ፣ ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢ ን17 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ  ከካይድ እንከሎ ካብቶም ዝተቓለሰሎም ነጥብታት እቲ ሓደ ዴሞክራስያዊ መሰሉ ንኽረጋገፀሉ ዝብል እኳ ኣንተነበረ፣ ይኹን ደኣ'በር ብሰንኪ ጠላማት ውልቀ መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት ዓፊኖም ብምሓዝ፣ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢ ነፃነቱ ኣስኢኖሞ ከም ዘለውን ኢሉ'ውን ብሕገ መንግስቲ ዝተፈቐደ መሰሉ እናሃለወ ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ ከም ነውርን ዘይሕሰብን ገይሮሞ ከም ዘለው ይፍለጥ።

No comments:

Post a Comment