Wednesday, April 27, 2016

ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝጀመረ ናይ ማሕበራዊ ተሓታትነት ፕሮግራም፣ 2ይ ኮንፈረንስ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፣ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ኣዋህባ ግልጋሎት ሽግር ከም ዘለዎም ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ካብዞም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ተግባር ክዉዕል ዝተሓስበ ናይ ማሕበራዊ ተሓታትነት ፕሮግራም 2ይ ኮንፈረንስ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበበባ ዝተኻየደ እንትኸዉን፣ ኣብቲ ኮንፈረንስ ካብ ዝተልዓሉ ሽግራት ድማ ኣብ ዙርያ ማሕበራዊ ተሓታትነት ንዜጋታት ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ፣ ናይቲ ከባቢ ናይ መንግስቲ ሓለፍቲ ልምዶምን ተመኩሮኦምን ብዝግባእ የካፍሉ ከም ዘየለዉን ክስተኻኸል ከም ዘለዎን ኣብቲ ኮንፈረንስ ምግላፁ ተፈሊጡ።   
ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተረኸቡ ናይ ፋይናንስን ኢኮኖሚን ሚኒስተር ኣማኻሪ ኤፍሬም ወልደስላሴ ብወገኖም፣ መንግስቲ ማሕበራዊ ተሓታትነት ከም ሓደ ናይ ሰናይ ምሕደራ መስፈኒ መሳርሒ ከም ዝጥቀመሉ ዝገለፁ እኳ እንተኾኑ፣ ኣብቲ ብምትሕብባር  ኢኮኖሚ ሚኒስተር ዝካየድ ፕሮግራም ኣብ ጣብያን ወረዳን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ግንዛቤ የጨብጥ ከም ዘየለን እቶም ሽግራት ክፍትሑ ኣለዎም ክብሉ እቶም ተኣከብቲ ምዝራቦም ተፈሊጡ።   

No comments:

Post a Comment