Wednesday, April 27, 2016

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ሕጋዊ ዘይኮነ ናይ ንብረት ትሕዝቶ ሕጋዊ ኣምሲሎም ምስክር ወረቐት ንዝሃቡ መንግስቲ ስቕ ኢሉ ይዕዘብ ኣሎ ክብል ዓቃቢ ሕጊ ምኽሳሱ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ናይ ቴክኒክ ጉዳይ ኣፃራይ ብዓል ሞያ ኣበራ ገለታ 242 ካሬ ሜትር ስፍሓት ዘለዎ መሬት ንግለሰብ ካብ ኣግባብ ወፃኢ ብምሃብ፣ 656,425 ናይ ህዝብን መንግስትን ገንዘብ ከም ዘጥፍኡ ዓቃቢ ሕጊ እንትኸስስ፣ ናይ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ልምዓት መሬት ማናጅመንት ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ሙሉጌታ ስይም ድማ ካብ ኣፈፃፅማ ፍርዲ ናይ መአገዲ ትእዛዝ ዝተዉሃቦም ንብረት፣ ንሓደ ግለ ሰብ ካብ ሕጊ ወፃኢ ክረኽቡ ብምግባር፣ መንግስቲ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ክስእን  ከም ዝገበሩ ብምግላፅ።
ኣብታ ክፍለ ከተማ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ሓለፍቲ ዝነበሩ ሰባት ኣቶ ሰለሙን ደስታ፣ ወርቁ ከበደ፣ ኣባተ ኣራጋዉ ምስ ሓደ ግለ ሰብ ብምትሕብባር ንብረትነቱ ናይ ክራይ ኣባይቲ ዝነበረ ገዛ ብምቕባል፣ ናይ መረጋገፂ ካርታ ብምስራሕ ውልቀ ሰብ ክወስዶ ብምግባሮም፣  438,840 ብር ኣጠፋፊኦም እዮም ብምባል እቲ ዓቃቢ ሕጊ ከሲሱ።
ካልኦት ናይታ ክፍለ ከተማ ሓለፍቲ ናይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዝኾኑ ሰባት  ድማ፣ ኣቶ ኣባተ ኣራጋዉ፣ ኣቶ ተሸመ ዓብይ፣ ኢሳያስ ይታየዉ፣ ኣበራ ገለታን ትዕግስቲ ኣበበን እዚኦም ኩሎም ብምትሕብባር ልዕሊ 84.9 ሚልዮን ብር ዝግመት መሬትን ኣባይትን ናይ ህዝብን መንግስትን ኣጠፋፊኦም እናሃለዉ መንግስቲ እናፈለጠ ስቕ ኢሉ ክዕዘቦም ፀኒሑ ብምትሕብባር ህዝቢ ግን፣ ብዓቓቢ ሕጊ ተኸሲሶም፣ ንግንቦት 3ን 4ን 2008 ዓ/ም ብቤት ፍርዲ ቆፀሮ ከም ዝተዉሃቦም ክፍለጥ ተኻኢሉ።   


No comments:

Post a Comment