Monday, May 16, 2016

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ናይ ሃገርና ብዝስዕብ ዘሎ ከቢድ ዝናብ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ሂወትን ንብረትን ክሳራ የውርድ ከም ዘሎን 400 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ድማ ንሓደጋ ግዳይ ከም ዝኾኑ ፀብፃባት የተንብሁ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ፣ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሃገርና ክፋል ዝዘንብ ዘሎ ከቢድ ዝናብ ምኽንያት ዝፍጠር ዘሎ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ሂወት ሰብ ካብ ምሕላፉ ብተወሳኺ ኣብ ሕርሻታት ዝተዘርኡ ዝራእትን ፅርግያታትን ከቢድ ጉድኣት የብፅሕ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ፣ኣብዚ ቅንያት ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ባሌ ብዘይ ምቁራፅ ዝዘነበ ዝናብ ብዘስዓቦ ሓያል ምዕልቕላቕ ውሑጅ ሂወት 9 ሰባት እንትሓልፍ ብርክት ዝበላ እንስሳ ዘቤት እንትሞታ ኣብ ልዕሊ 560 ሄክታር መሬት ተሸፊኑ ዝነበረ ዝራእቲ ከም ዝደምሰሶ ድማ ተፈሊጡ።

እቲ ብዘይ ምቁራፅ ዝዘነበ ከቢድ ዝናብ ካብ ሮቢ ናብ ጎሮ ዝወስድ ፅርግያ ብምስባሩ ምኽንያት ኣብቲ ቦታ ናይ መጎዓዝያ ተሽከርከርቲ  ተቛሪፁ ከም ዘሎ ወሲኹ ኣፍሊጡ። ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ዝዘነበ ዝናብ ድማ ሂወት 2 ህፃናት እንተሕልፍ ካብ ድሬዳዋ ናብ ሃረር ዝወስድ መንገዲ ከም ዝሰበረ እንትገልፅ፣ ካብ ሞጆ ናብ ሃዋሳ ዝወስድ ፅርግያ 'ውን ኣብ ከባቢ መቂ ዝዘነበ ሓያል ዝናብ እቲ ፅርግያ ውሑጅ ብዘምፀኦ ደለል ብምዕፃው ናይ ተሽከርከርቲ ምንቅስቓስ ዕንቅፋት ፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብ ከተማ ኣሰላ እቲ ምዕልቕላቕ ውሑጅ ናይታ ከተማ ፅርግያ ሰቢሩ ከም ዝሓለፈ ተፈሊጡ። እቲ ብሓይሊ ዝናብ ዝፍጠር ዘሎ ጉድኣታት ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ሰሜን ሽዋ (ሽዋ ሮቢት)ኣብ ዞባ ስልጤ ፣ጂግጂጋ ፣ድሬዳዋ ፣ኣርባ ምንጭ ፣ደቡብ ወሎን ኣብ ካልኦት ናይ ሃገርና ክፋላት ከቢድ ጉድኣት የብፅሕ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ 400 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ጉድኣት ክበፅሖም ከም ዝኽእልን ን180 ሽሕ ዝኾኑ ድማ ካብ መንበሪኦም ከም ዝፈናቐሉ እቲ ሓበሬታ  ድሕሪ ምትንባህ፣ ብወገን መንግስቲ ግን ነቶም ብሓደጋ ውሕጅ ግዳይ ዝኾኑ ዘለው ዜጋታት ቡቑዕ ዝኾነ ሓገዝ ይኹን ውሕስና ዝረኽበሉ ቅድመ ድልውነት ክፈጥር ከም ዘይከኣለ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። 


No comments:

Post a Comment