Monday, May 16, 2016

ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ዝርከቡ ኣካላት ፍትሒ ነፃ ኮይኖም ብቕንዕና ንኸይሰርሑ ብሰበስልጣን ህወሓት /ኢህወዴግ/ ተፅዕኖ ይበፅሖም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።




ብመሰረት ፀብፃብ ክፍሊ ታዕሊም ዴ.ም.ህ.ት፣ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ናይ ሃገርና ዝመፁ ወታደራትን ላዕለዎትን ታሕተዎትን ደረጃ ተማሃሮን ካልኦትን ማዓልታዊ ኣብ ምውሓዝ ይርከቡ ዝበለ እቲ ፀብፃብ፣ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ላዕላይ መጋርያ ፀብሪ ዝዓዱ ገብረዋህድ ሃይሉ ዝተብሃለ ወገን ካብዞም ግዳያት ሓደ ኮይኑ፣ ኑሱ ካብ ዝሃቦ ሓሳብ ዳኛ ኮይኑ ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ብቕንዕና ንኽሰርሕ ዝኽእለሉ ባይታ ብምፅባቡን ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈላለዩ ተፅዕኖታት ይወርዶ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላፅ ነቲ ዘይቅኑዕ ኣካይዳ ይቃወም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ቡዙሕ ምፍርራሓትን ኣብ ዓዱ ነፃ ኮይኑ ክንቀስቐስ ብዘይ ምኽኣሉን ብረት ዓጢቑ ወፅዕኡን ወፅዓ ህዝብን ክፈትሕ ናብ ዴምህት ከም ዝተፀንበረ ካብቲ ዝበፀሓና ፀብፃብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ መዎዳእታ እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ከም ዘርደኦ ህዝቢ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሓይልታት ፀፅታ እናተሓለወን እናተገረፈን ኣብ ከቢድ ስግኣት ይርከብ ከም ዘሎ ድማ ገሊፁ።                                     

No comments:

Post a Comment