Saturday, May 21, 2016

ቁፅሪ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ሑቡራት ሃገራት ዓረብ ኤመሬትስ ዝጓዓዙ ኢትዩጵያውያን ካብ እዋን ናብ እናወሰኸ ይመፅእ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



እቲ ሓበሬታ ከም ዘርድኦ፣ መንግስቲ ናብ ሑቡራት ዓረብ ኤመሬት ይኹን ናብ ካልኦት ሃገራት ንዝኸዱ ሓዱሽ ሕጊ ኣውፂአ ዝብል እኳ እንተኾነ ይኹን እምበር በቢ ዕለቱ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኢትዩጵያውያን ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣዕራብ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ እናተሰደዱ ዝተፈላለዩ ሽግራት ይበፅሖም ከም ዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ብዘይ ሕጋዊ ዝግበር ስደት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ በፂሑ ዝበለ እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ጥራሕ ብተመሳሳሊ ኩነታት ዝተጉዓዙን ዝተፈላለዩ ሽግራት ዘጋጠሞም 5 ሽሕ ዝኾኑ ኢትዩጵያውያን ምንባሮም ድሕሪ ምግላፅ፣ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳይን ሰራሕተኛታትን ብግድኡ ዋላ ‘ኳ ብሕጋዊ መንገዲ ንዕዶት ብቪዛ ክወፁ እንተተገበረ ነቲ ዘይ ሕጋዊ ስደት ክቕንስ ከም ዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ሰራሕተኛን ማሕበራውን ህዝባዊ ርክባትን ሓላፊ ዝኾኑ ኣይተ ግርማ ሸለመ ንግቡኝት ይኹን ንናይ ገዛ ሰራሕተኛ ንምቑፃር ብሹም ቪዛ ናብ ዱባይ ንዝግበር ስደት ምዕጋት ኣይከኣልን። ዘይ ሕጋዊ ስደት ብዘይ ምቁፅፃሩ ዝተልዓለ ምኽንያት ድማ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ዝበዝሑ ኢትዩጵያውያን ዜጋታት ኣብ ዱባይን ኣብ ኻልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሽግር ውሽቲ ተቐርቂሮም ከም ዘለው ኣፍሊጡ።
ኣብ መዎዳእታ መራኽብቲ ሓፋሽ  ሕቡራት ዓረብ ኤመሬት ብግደአን ኣብዚ ሕዚ እዋን በብዕለቱ ብውሕዱ 500 ኢትዩጵያውያን ብዝተፈላለዩ ብናይ ኣየር ጉዑዞ ብምጥቃም ናብታ ሃገር ኣብ ምእታው ከም ዝርከቡ ገሊፆም።


 

No comments:

Post a Comment