Saturday, May 21, 2016

ኣብ ሰሜን ሽዋ ኣብ ማጀቴ ከተማ ዝተልዓለ ተቓዉሞ ተጠናኺሩ ይቕፅል ምህላዉ ተገሊፁ።



ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ ገምዛ ዝነብሩ ናይ ንኡስ ወረዳ ማጀቴ ነበረቲ ናይ ገምዛ ወረዳ ይመለሰልና ብዝብል ዝተላዕለ ተቓዉሞ እናሰፍሐ ንምኻዱ ስዒቡ ናይ መንግስቲ ሰራሕኛታት ነቲ ከባቢ ገዲፎም ናብታ ዋና ከተማ ከም ዝኸዱ ተፈሊጡ።     

ናይቲ ክልል ናይ ፍትሒ ሓላፍን ርክብ ህዝብን ተፀዋዒ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሶም ንህዝቢ የዘራርብሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፣ እቲ ናይቶም ነበርቲ ሕቶ ተቐባልነት ከም ዘየብሉ ብምግላፆም ኣብቲ ዕለት ሓያል ህዝባዊ ተቓዉሞ ከም ዝተልዓለ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ኣብቲ ሕዋን ድማ እቲ ከባቢ ናይ ኲናት ናቑጣ መሲሉ ከም ዝወዓለ ተገሊፁ። ናይታ ቀበሌ ኣበወንበር ዝኾኑ ኣቶ ኣባቡ ከምኡ 'ዉን ናይ ፖሊስ ኣዛዚ ኢንስፔክተር ሸዋቀናው ካብቲ ከባቢ ምልቃቖምን ህዝቢ ድማ ናብቲ ናይ ኣበወንበር ገዛ ብምምራሕ ንብረቶም ሙሉእ ብምሉእ ከም ዘዕነዉዎ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።  

ካልእ 'ዉን ተማሃሮን መናእሰይን ናይቲ ከባቢ ተወዳዲቦም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብቲ ከባቢ ለቒቖም ክኸዱ ተፅዕኖ ከም ዝፈጠሩን ኣብታ ንኡስ ወረዳ ዝርከቡ ናይ 6ተ ቀበሌታት መናእሰይ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብቲ ከባቢ ድሕሪ ምልቃቖም፣ ባዕሎም ንባዕሎም ይመሓደሩ ከም ዘለዉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ክዛረቡ ምቕናዮም ተሓቢሩ።  

 

 

 

 

 

No comments:

Post a Comment