ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ እምባ ኣላጀ
ዝርከባ ጣብያታት ዘራኽብ መንገዲ ብዘይ ምህላዉ፣ ሕብረተሰብ ካብን ናብን ተንቀሳቒሱ ዕለታዊ መነባብርኡ ንምምራሕ ከም ዝተሸገረን
ብፍላይ ድማ ዝሓመሙ ወገናትን ጥኑሳት ኣዴታትን ክወልዳ ናብ ሕክምና ንምጉዓዝ ፀገም ኮይንዎም ብምህላዉ ኣብ ገዝኦምን ኣብ ፈቐዶ
መንገድን ዝሞቱ ወገናት ከም ዘለዉ ክፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብቲ ወረዳ በቢዓመቱ ንመስርሒ መንገዲ እናተብሃለ ብሚልዮን ዝቑፀር ባጀት
ዋላኳ እንተተመደበ ኣብ ኣፈፃፅማ ብዘሎ ሽግር ምኽንያት ግን ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ኣብ ጥቕሞም የዉዕልዎ ብምህላዎም እቲ ንይምሰል
ኣተኣታቲናዮ ዝቡሉዎ ፅርግያታት ብፅሬት ስለ ዘይስራሕ፣ ኣብ ናይ ክረምቲ ወቕቲ ብሓደጋ ዉሕጅ እናተባላሸወ ዘላቒ መፍትሒ ክረክብ
ከም ዘይክኣለ ተፈሊጡ።
ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ናይ ቁሸት ዛሬማ ነበርቲ ኣባይቶም
ብሓደጋ ዉሕጅ ምኽንያት እናተወሰደ በቢዓመቱ ብኣሽሓት ዝግመት ንብረት ከም ዝዓኑን ብርክት ዝበላ እንስሳ ድማ በቲ ዉሕጅ እናተወሰዳ
ሕብረተሰብ ልዕሊ ዓቕሚ ኮይኑዎ መንግስቲ ማሽናት ንክህቦም ጥርዓን ዋላኳ እንተቕረቡ፣ እንተኾነ ግን ትኹረት ሂቡ ኣዕጋቢ መልሲ
ዝህብ ናይ መንግስቲ ኣካል ከም ዘየለን ህዝቢ ድማ ኣብ ከቢድ ሽግር ተቓሊዑ ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
No comments:
Post a Comment