ኣብ
ደቡብ ጎንደር ፋርጣ ኣብ ዝተብሃለ ወረዳ ጉና ተባሂኡ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ መንጎ ዕጡቛት መንግስትን ነባሪ ናይቲ ከባቢ
ህዝብን ብዝተላዕለ ግጭት፣ ወጥሪ ነጊሱ ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።እቲ ግጭት ዋንቃ ኣብ
ዝተባህለ ከባቢ ብናይ እንስሳ መግሃጫ ዝተልዓለ ኮይኑ፣ መልክዑ ቀይሩ ድማ ኣብ ነበርቲ ተቓዉሞ ከም ዘስዓበን ነዚ ተቓዉሞ
ስዒቡ ድማ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ መንበሪ ኣባይቶም ገዲፎም ናብ በረኻ ከም ዝኸዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም
ነበርቲ ብረት ብምሓዝ ናብ በረኻ ወሪዶም ከም ዘለዉ ዝገልፀ እቲ ሓበሬታ፣ ናይቲ ስርዓት ናይ ፀጥታ ዕጡቛት ሓይልታትን ኣድማ
በተንትን ድማ ምስቶም ነበርቲ ብዝተፈጥረ ግጭት ንሰለስተ ስዓት ዝኣክል ናይ ተኹሲ ልዉዉጥ ከም ዝተኻየደ ድሕሪ ምግላፅ፣ ሓደ
ነባሪ ከም ዝሞተ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
No comments:
Post a Comment