Wednesday, August 24, 2016

ሚኒስትሪ ወፂኢ ጉዳያት ኣመሪካ ክሳብ ወርሒ ጥሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝግበር መገሻ ንዜጋታት ኣሜሪካ መጠንቀቕታ ከም ዝዘርግሕ ተፈሊጡ።



እቲ መግለፂ ከም ዘረድኦ ፣ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተቃውሞ መንግስቲ ይኽሰት ብምህላዉ፣ ብፍላይ ድማ ገሊኡ ዕጡቛት መንግስትን ሰልፈኛታትን ከቢድ ዝኾነ ግጭትን ህውከት ከም ዘስዓበን ብምሕባር፣ ኣገልግሎት ቴሌፎናትን ኢንተርኔትን ይቆራረፅን ይዕፆን ስለ ዘሎ ድማ ኤምባሲ ኣሜሪካ ምስ ዜጋታቱ ንምርኻብ ኣፀጋሚ ከም ዝገበሮ እቲ መግለፂ ኣረዲኡ።
እቲ  ካብ ሕዳር ዝጀመረ ተቃውሞ ፀረ መንግስቲ ካብ ምዓልቲ ናብ መዓልቲ ብዘይ ዕርፍቲ ተጠናኺሩ ይቕፅል ብምህላዉ፣ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን፣ ኣብ ሞንጎ ተቃወምቲን ሓይልታት መንግስቲን ከቢድ ግጭትን ቅትለትን  ከም ዝተፈጥረ ብምግላፅ፣ እቲ ተቃውሞታት ንኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ናብ ካልኦት ከተማታት ይጋፋሕ ብምህላዉ፣ ኣሜሪካዊያን ዜጋታት ትኩርነቶም ክሕይሉ፣  ካብ ሰልፊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ዝካየደሎም ቦታታት ኢትዮጵያ ንክርሕቁ ድማ፣ ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንዜጋታቱ መጠንቅቕታ ምሃቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment